ኣመሪካ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ዓሌታዊ ግፍዕታት ከምዘሻቐላ ኣፍሊጣ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ኣመሪካ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብሓለፍቲ ኣምሓራ ተፈጺሞም ብዝተባህሉ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ ግፍዕታት ከም ዝተሻቐለት ገሊጻ።
ኣመሪካ፡ ብቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣቢሉ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብፍላይ ድማ ሂዩማን ራይትስዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን፡ ብሓሙስ ኣብ ዘውጸእዎ ሓባራዊ ጸብጻብ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ምስ ምጽጻይ ዓሌት ዝመዓራረዩ ገበናት ምፍጻሞም፡ ዘሻቕል ምዃኑ ይገልጽ።
እቶም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ሓይልታት ጸጥታን ሓለፍትን ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንተጋሩ ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ኲናትን ፈጺሞም ክብሉ ከሲሶም።
መንግስቲ ፈዴራል ኣብ ቶም ግፍዕታት ኢዱ ሓዊሱ ወይ ድማ ተሓባባሪ ኾይኑ ኢሎም’ውን ይኸሱ።
ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን፡ ፈዴራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ነቲ ጸብጻብ ‘ተቐባልነት ዘይብሉ ሕሶት’ ክብሉ ነቒፎም።
መግለጺ ኣመሪካ ወሲኹ፡ “ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሕዚ እውን ብኣሸሓት ዝቝጸሩ ተወለድቲ ትግራይ፡ ህይወቶም ኣብ ኣስጋኢ ኵነታት ብምህላው፣ ከምኡ’ውን ብሃበ ተረኽበ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ዝተፈጥረ ዘሰክፍ ኵነታት ተገንዚብና ኣለና፡” ይብል።
“እቶም ዛጊድ ኣብ ቀይዲ ዘለዉ ሰባት ብቕልጡፍ ክፍትሑን፡ ዓለምለኸ መርመርቲ ናብቲ ከባቢ ኣትዮም፡ ኣብቶም መዳጐኒ ማእከላት ነጻ ምርመራ ከካይዱ ክፍቀድን ንጽውዕ፡”።
ኔድ ፕራይስ፡ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብቲ ጐንጽታት ንዅሎም ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ብዘይሻራዊ ኣካል ተጻርዮም ፍትሒ ክርከብ ምግባር፡ ናይ መወዳእታ ፍታሕ ከምዝኾነ ጽኑዕ እምነት መንግስቲ ኣሜሪካ ከምዝኾነ’ውን ገሊጹ።
ነዚ ድማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቲ ከም ብሓድሽ፡ ምስቲ ኲናት ብዝተኣሳሰር ዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከጻሪ ዝተጣየሸ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክተሓባበር ነተሓሳሰስብ ኢሉ።
ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ነቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተወሰነ፡ ንግፍዕታትን መጥቃዕቲታትን ኢትዮጵያ ዘጻሪ ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ምቛሙ፡ ተቓዊመን እየን።
እቶም ብቐጻሊ ዝቃልዑ ዘለዉ ግፍዕታት፡ እቲ ወተሃደራዊ ተጻብኦታት ከይወዓለ ከይሓደረ ደው ክብል ከምዝግባእ ዘመልክቱ ምዃኖም’ውን መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ መግለጺኡ ኣዘኻኺሩ።
ኽልቲኦም ወገናት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበ ስልጣን ትግራይን፡ ዝተኣወጀ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከምዝድግፉን፡ ህይወት-ኣድሕን ሓገዛት ናብ ተጸባዪ ረድኤት ክበጽሕ ምጅማሩ ምስመዖም’ውን ከም ዘሐጐሶም ይገልጹ።
ኣብ ትግራይ፡ ልዕሊ 83 ሚእታዊት ህዝቢ ተጸባዪ ህጹጽ ረድኤት ኮይኑ ከምዘሎን፡ ሚልዮናት ንጥሜት ተቓሊዖም ከምዘለዉን ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ኣመሓደርቲ ትግራይ፡ ካብተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ መቐለ ዝኣተዋ፡ ናይ መጀመርታ 21 መካይን ንደሓር፡ ዝመጽአ ረድኤት ከምዘየለን ሓላፍነት ዝጐደሎ ከም ዝኾነን ምግላጾም ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ‘ዝገበርክዎ ገደብ የለን፡’ ይብል።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ “ኵሎም ሓይልታት ደገ ካብኡ ጠቕሊሎም ክወጽኡ፡ ከምኡ’ውን ካብ ሓደ ናብ ካልእ ክልል ብምኻድ ግዝኣት ተቘጻጺሮም ዘለው ሓይልታት ጸጥታ’ውን ብቕልጡፍ ክወጽኡ ኣለዎም፡” ይብል እቲ መግለጺ።
ኣብቲ ጐንጺ፡ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተላፊኖም ኢዶም ዝሓወሱ ሓይልታት ኤርትራ፡ ዛጊድ ኣብ ገለ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይን ሰሜን ምብራቕ ትግራይን ከምዝርከቡ ጸብጻባት የመልክቱ።
ከምኡ’ውን ሓይልታት ትግራይ ገለ ግዝኣታት ዓፋር ዝተቘጻጸሩ ኾይኖም፣ ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራን ፋኖ ዝተበሃለ ዘይምዱብ ጕጅለ ኣምሓራን ድማ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ንመላእ ምዕራብ ትግራይ ተቘጻጺሮም ከም ዘለው ይዝረብ። ዓሌታዊ ግፍዕታት ከምዝፈጸሙ’ውን ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለዉ።
እቲ ኣብ ቀረባ ዝወጽአ ጸብጻብ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብፍላይ ‘ፋኖ’ ዝበሃል ዘይስሩዕ ጕጅለ፡ ከቢድ ገበን ከምዝፈጸመ ብምጥቃስ፡ መሳርዑ ክብተንን ዕጥቁ ፈቲሑ ካብቲ ከባቢ ክወጽእን ጠሊቡ።
መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ መግለጺኡ፡ ኵሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ተዅሲ ደው ክብሉ፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ክሓልፍ፣ ከምኡ’ውን ኵሎም ግፍዕታት ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረዩን እቲ ጐንጺ ኣብ ዘተ ዝተመስረተ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ደጊሙ ኣተሓሳሲቡ።