ኣብ ክልል ደቡብ፡ ‘ምኽንያት መእሰሪና ከይተነገረና ንልዕሊ 9 ወርሒ ንሳቐ ኣለና’ ዝብሉ ተጋሩ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ኣብ ክልል ደቡብ ሾኔ ተባሂላ ኣብ እትፍለጥ ከተማ፡ ብሰንኪ መንንቶም ንኣዋርሕ ከምዝተኣስሩ ዝገልጹ፡ ሓራሳትን ጥኑሳትን ዝርከበኦም ተወለድቲ ትግራይ፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ቢቢሲ ንድሕንቶም ክብል ኣስማቶም ዝቐየሮ እሱራት ከምዝብልዎ፡ ካብ ዝእሰሩ ልዕሊ 9 ወርሒ እንተሓለፎም’ኳ፡ ዛጊድ ምኽንያት መእሰሪኦም ከምዘይተነግሮምን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ከምዘይፈልጡን ገሊጾም።
ኣብቲ ኣብ ቀይዲ ዝርከብሉ ቦታ ቴሌፎን ምሓዝ ዘይፍቀድ ምዃኑ ዝገልጹ ዀይኖም፡ ሓቢኦም ብዝተጠቐምዎ ስልኪ ቢቢሲ ከዘራርቦም ክኢሉ ኣሎ።
ነባራይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ሓጎስ*፡ ንስራሕ ናብ ከተማ ሰመራ ኣብ ዝኸደሉ ከምዝተትሓዘን ካብ 12 ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ሾኔ ተኣሲሩ ከምዘሎን ይገልጽ፡፡
”ናይ ኮንስትራክሽን ሰራሕተኛ እየ፡፡ ዓመት ዕረፍቲ ወሲደ ንናይ ውልቀ ስራሕ ናብ ሰመራ እናኸድኩ ኣብ ኣውቶቡስ ረኺቦም ሒዞምኒ፡፡ ናይ ኮንስራክሽን ሰራሕተኛ ከምዝኾንኩን ኩሉ ሰነዳተይን ኣርእየዮም፡፡ ግን ምስቲ ዝነበረ ህዝቢ ኣኪቦም ናብ ክልል ደቡብ ኣምጺኦምና” ይብል፡፡
ንሱ፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ዓፋር ዝተትሓዙ ተጋሩ ገሊኦም ካብ ስዑድ ዓረብ ተመሊሶም ናብ ቤተሰቦም ዝምለሱ ዝነበሩ፣ ነበርቲ ክልል ዓፋርን ናብቲ ክልል ንስራሕ ዝተጉዓዙን ከምዝኾኑ ይገልጽ፡፡
ንዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ሃድያ ከተማ ሾኔ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲርና ኣለና ዝብሉ እዞም ቁጽሮም ልዕሊ 1300 ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ፡ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘለዉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡
ዝተኣሰሩሉ ምኽንያት ከምዘይፈልጡን ከምኡ እውን ናብ ቤት ፍርዲ እንተይቀረቡ፣ እኹል ቀረብ ምግቢ፣ ማይን መድሓኒትን ኣብ ዘይብሉ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝተኣሰሩን ይዛረቡ፡፡
ሓጎስ፡ ኣብ ክልል ደቡብ፣ ዞባ ሲዳማ፣ ከተማ ሾኔ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ዩኒቨርሲቲ ዋቻሞ ከምዝኾነ ዝግለጽ ‘ማእከል ምርምር ሕርሻ’ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ተዛሪቡ፡፡
ሓላፊት ህዝባዊ ርክባት ክልል ደቡብ፡ ወ/ሮ ሰናይት ሰለሞን ግና፡ እቲ ዝቐረበ ክሲ ብምንጻግ፡ ኣብቲ ክልል በቲ ዝተገለጸ በዝሕን ምኽንያትን ዝተኣሰሩ ሰባት ከምዘይትፈልጥ ተዛሪባ፡፡
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ካብ ቤት ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመለሱ ዝገልጹ ለምለምን በሪሁን ዝተባህሉ ተጋሩ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተዉ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ከምዝተዉን ንዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ኣብ ከቢድ ኩነታት ተኣሲሮም ከምዘለዉን ንቢቢሲ ገሊጾም፡፡
*ቢቢሲ ኣሽማት ናይቶም ምስክርነቶም ዝሃቡ ሰባት ንድሕነቶም ክበሃል ቀዪርዎ እዩ፡፡
እቲ 17 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት ትግራይ ናብ ካልኦት ክልላት ልሒዅ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ኣብ ዝነበሩሉ ወርሒ ሕዳር፡ ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ህጹጽ እዋን ዝኣወጀ ኾይኑ፡ ‘ዓሌት መሰረት ዝገበረ’ ሰፊሕ ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ከምዝተፈጸመ ዘመላኽቱ ጸብጻባት ካብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ ዝፈላለዩ ተሓለቕቲ መሰላት ወጺኦም ነይሮም፡፡
ቢቢሲ’ውን፡ እዚ ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ምስርሑ ዝዝከር እዩ።
ዓለማዊ ተሓላቒ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ ኣብ ከቢድ ስቓይ ጸኒሖም ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሱ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ኣሲሩን ብሓይሊ ሰዊሩን ክብል ከሲሱ፡፡
እቲ ትካል፡ ካብ ምስልታት ሳትላይትን መሰኻኽር ዓይንን ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ከተማታት ሰመራን ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ሃድያ እትርከብ ከተማ ሾኔን ብዙሓት ካብ ስዑድ ዓረብ ዝተመለሱ ታጋሩ ዝኣሰሩለን ከተማታት ክኾና ከምዝኽእላ ኣስፊሩ ነይሩ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ይፍጽም ከምዘሎ ዝገልጽ ክሲታት ክነጽጎ ጸኒሑ እዩ፡፡
ኣብ ወርሒ ሕዳር ሓላፊ ግልጋሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፡ ንመራኸብቲ ብዙሃን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ህወሓትን ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን እምበር ብፍሉይ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ማእሰርቲ ከምዘይተፈጸመ ገሊጹ ነይሩ፡፡
‘ናብ ገዛኹም ኢሎም፡ ናብዚ ኣምጺኦምና’
ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ኣብ ስዑድ ዓረብ፡ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 28 ሰነ 2013 ዓ/ም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወት እትገልጽ ለምለም ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ናብ ትውልዲ ከባቢኣ ናብ ትግራይ እንትትጓዓዝ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ዓፋር ሰመራ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወት ትገልጽ፡፡
” 5 ሓምለ ናብ ትግራይ ክንኣቱ ኣብ ሰመራ፡ ካብ ዝዓረፍናሉ መደቀሲ ሒዞምና፡፡ ናብ ገዛኹም ክትከዱ ኢኹም ኢሎምና፤ ዳሓር ግን ናብዚ (ከተማ ሾኔ) ኣምጺኦምና፡፡”
ኣብ ስዑድ ዓረብ ንዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝነበረ ዝገልጽ በሪሁ ብተመሳሳሊ ንዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሾኔ ዝርከብ ቀጽሪ ተኣሲሩ ከምዘሎ እዩ ዝዛረብ፡፡
” ኣብ ስዑድ ዓረብ ንልዕሊ ዓመትን ሸሞት ወርሕን ተኣሲርና፡፡ ኣዲስ ኣበባ ኣቲና ክልተ ለይቲ ምስ ሓደርና፡ ቀጥታ ናብ ትግራይ ጉዕዞ ጀሚርና፡፡ ኣነ ሚለ ኣብ ዝበሃል ኬላ ተኣሲረ፡፡ ምንም ምኽንያቱ ኣይፈልጦን፡፡ ፌደራል ፖሊስ እዮም ሒዞምና” ይብል፡፡
እቶም ብምኽንያት መንነቶም ከምዝተኣሰሩ ዝገልጹ ወገናት፡ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ብዛዕባ ዝተኣሰረሉ ምኽንያት መብርሂ ዝሃቦም ኣካል ከምዘየለን እዮም ዝገልጹ፡፡
ሓይልታት ትግራይ ናብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ማእኸል ሃገር ዝገብርዎ ዝነበሩ ግስጋሰ ደው ምስ በለ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ህጹጽ ኣዋጅ ምልዓሉ ዝዝከር እዩ፡፡
ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ዝፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተጋሩ፡ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ብበዝሒ ዝተፈትሑ ኾይኖም፡ እንተኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት እታ ሃገር ዛጊድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡ እዩ ዝንገር።
‘ጥኑሳት፣ ኣዶ ቆልዑትን ሕሙማትን ኣለው’
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ነብሰ ጾራትን ህጻውትን ከምዝርከቡ ዝገልጹ እቶም ንቢቢሲ ቃሎም ዝሃቡ ዜጋታት፡ እኹል ቀረብ መድሓኒት ከምዘየለን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝሞቱ ሰባት ከምዘለዉን ተዛሪቦም፡፡
” 130 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ፡፡ ጥኑሳት፣ ኣዶ ቆልዑትን ሕሙማትን ኣለዉ፡፡ ዝኸፈአ ኩነታት እዩ ዘሉ፡፡ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ብተስፋ ምቑራጽ ክሃድም ዝፈተነ ሰብ ተቐቲሉ ኣሎ፡፡ ክልተ ሰባት ድማ ብሕማም ሞይቶም” ይብል ሓጎስ፡፡
ንሱ ብፍላይ ቅድም ክብል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስዑዲ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ንላዕሊ ዝተኣሰሩ ከምዘለዉ ብምግላጽ ” ናብ ሃገሮም ምስመጹ ድማ ብዘይገለ ገበን ተኣሲሮም ኣለዉ” ይብል፡፡
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ክሳብ ሎሚ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝወለዳ እዩ ሓጎስ ዝዛረብ፡፡
በሪሁ እውን ” ኣብ ስቓይ ኣለና” ብምባል እዩ ነቲ ዘለዉዎ ኩነታት ዝገልጾ፡፡
”ሻወር ይኹን ሽቓቕ ብሰዓቱ ኣይንጥቀምን፡፡ 24 ሰዓት ተዓጺና ኢና እንቕመጥ፡፡ ኣብ ቁርሲ፣ ምሳሕን ድራርን እዮም ዝኸፍቱና፡፡”
”ቁልዑት ዘለዉወን ኣለዋ፤ ጥኑሳት እውን ኣለዋ” እትብል ለምለም እውን ኣብቲ ቀጽሪ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ህይወት ከቢድ ከምዝኾነ እያ አትገልጽ፡፡
ሰለስተ ግዘ ክትፍትሑ ኢኹም ተባሂሎም ተዳልዮም ከምዝነበሩ ዝገልጹ እዞም ንቢቢሲ ቃሎም ዝሃቡ ተጋሩ፡ ዛጊድ ግን ኣብቲ ማእከል ተዳጒኖም ከምዘለዉ ይዛረቡ፡፡
”ቤተሰብና ኣበይ ከምዘለና ኣይፈልጡን”
ካብ ስዑድ ዓረብ ምስተመለሱ ናብ ትግራይ እናተጉዓዙ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዝገልጹ ለምለምን በሪሁን፡ ቤተሰቦም ብዛዕበኦም ዝፈልጥዎ ከምዘየለ እዮም ዝሕብሩ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ሰራዊት ትግራይ ንከተማ መቐለ ካብ ዝቆጻጸር ንደሓር ኣብ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት መራኸቢ ኣይሰርሕን፡፡ ባንኪ፣ ስልክን ኢንተርነትን ምስተቋረጸ እዩ፡፡
”ኣብ ስዑዲ ምስ ዝርከቡ ኣዝማድና ንድዋወል ነይርና፡፡ ሐዚ ግን ስልክና ተወሲዱ እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ቤተሰብና ግና ኣበይ ከምዘለና ኣይፈልጡን” ትብል ለምለም፡፡
በሪሁ ብተመሳሳሊ ኣብ ትግራይ ምስዝርከቡ ቤተሰቡ ተራኺቡ ከምዘይፈልጥ እዩ ዝገልጽ፡፡
”ካብ ገዛ በበይ ክድውሉልና? ኣይፈልጡናን፡፡”
ቢቢሲ ካብ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍትን ሓላፍቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ንግዚኡ ኣይሰመረን፡፡
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዋቸሞ ዩኒቨርሲቲ ተኣሲሮም ብዛዕባ ዝርከቡ ሰባት ይከታተሎ ከምዘሎ ቢቢሲ ካብቲ ትካል ሓበሬታ ረኺቡ እዩ፡፡ ካብቲ ትካል ዝርዝር ሓበሬታ ምርካብ ግን ኣይተኽኣለን።
ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ክልል ደቡብ ወ/ሮ ሰናይት ሰለሞን፡ እቲ ክሲ ሕሶት ከምዝኾነ ነጺጋ።
“ዋቸሞ ዩኒቨርሲቲ፡ ሾኔ ዝበሃል ካምፓስ የብሉን፤ ዱራሜ ዝበሃል ካምፓስ እዩ ዘለዎ። ሾኔ እትበሃል ናይ ከተማ ምምሕዳር ግን ኣብ ዞባ ሃድያ እያ እትርከብ። ስለዚ እቲ ‘ኣብ ሾኔ ካምፓስ እንርከብ እሱራት ኢና’ ዝብል ሓበሬታ ካብ መጀመርትኡ ስሕተት ዘለዎ ይመስለኒ።
”ካብዚ ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ከባቢ እቲ ክልል ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ዝገብሩ ወይ ሕጊ ዝጥሕሱ ክእሰሩ ይኽእሉ እዮም። ብኽንድዚ ዝኣክል ቁጽሪ ግን ዝተኣሰረ ኣብ ዞባ ሃድያ የለን። ብከምዚ መልክዕ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ፡ እሞ ድማ ከምቲ ዝበልካዮ ብብሄሮም ተፈልዮም ዝተኣሰሩ ከምዘየለዉ እየ ዝፈልጥ።”