ኲናት ዩክረይን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እንታይ’ዩ? ብኸመይ’ከ ይሰርሕ?
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ሃገራት ዓለም ዓለምለኻዊ ጉዳያት ኣብ ምፍታሕ ሓቢረን ንኽሰርሓ ብዝብል፡ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሓሙኽሽቲ እዩ ተላዒሉ።
እቲ ፈላማይ ኣኼባኡ ኣብ 1946 ዘካየደ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዓለም ሰላምን ምርግጋእን ናይ ምስፋን ሓላፍነት ዝተሰከመ ኣገዳሲ ኣካል ኮነ።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ነቲ ባይቶ ኣብ ዘስምዖ ስምዒትካ ዝትንክፍ ዘረባ ንወተሃደራዊ ስጉምቲ ሩስያ ደው ንምባል “ብህጹጽ” ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዑ።
እንተኾነ ግና እቲ ውድብ ዝሰርሓሉ ኣገባብ ኣብ እዋን ዓለምለኻዊ ፍጻመታት ስጉምቲ ምውሳድ ኣጸጋሚ ገይሩዎ ኣሎ።
እቲ ሓሙሽተ ቀወምትን 10 ዘይቀወምትን፡ ብሓፈሻ 15 ኣባል ሃገራት ዘለዎ ኣካል እገዳታት ከንብርን ዓለምለኻዊ ሰላምን ምርግጋእን ንምውሓስ ሓይሊ ምጥቃም ናይ ምፍቃድ ስልጣን ኣለዎ።
እንተኾነ ግና ዝበዝሕ ግዜ፡ ውሳነታት በተን ኣብ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ተጻራሪ ኣረኣእያ ዘለወን ቀወምቲ ኣባላት፡ ብቀውፊ (ውሳነ ናይ ምቅዋም ወይ ምኽልካል መሰል) ስለ ዝዕገት፡ ኣገዳሲ ውሳነታት ምሕላፍ ዘይከኣል እዩ።
እሞ፡ ባይቶ ጸጥታ ውብ ሕቡራት ሃገራት ብኸመይ እዩ ዝሰርሕ?
ቀወምቲ ኣባላት
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ቻይና፡ ሩስያን ፈረንሳን እተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባል ሃገራት እቲ ባይቶ እየን።
እዚአን እቲ ባይቶ ኣብ ዝተመስረተሉ እዋን (ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ምዃኑ’ዩ)፡ ጀርመንን ጃፓንን ምስ ተሰዓራ፡ ሓያላን ኮይነን ዝወጽኣ እየን።
እዚ ኣቃውማ ድሕሪ 1946 ዋላ’ኳ ሓድሽ ጂኦ-ፖለቲካዊ ምዕባለታት እንተመጽአ ከይተቐየረ ጸኒሑ ኣሎ።
መንበር ቻይና ኣብቲ ፈለማ በቲ ብችያንግ ካይ-ሸክ ዝምራሕ ሃገራዊ መንግስቲ እዩ ተታሒዙ ነይሩ።
ድሕሪ ሰውራ 1949፡ እቲ መንግስቲ ናብ ታይዋን እኳ እንተኣዝለቐ፡ ኣብ 1971 ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ነቲ መንበር ንኮሚኒስታዊ ህዝባዊ ሪፓብሊክ ቻይና ክሰጋገር ክሳዕ ዝውስን በቲ ሃገራዊ መንግስቲ እዩ ተታሒዙ ጸኒሑ።
መንበር ሩስያ’ውን ኣብ ፈለማ ብሕብረት ሶቭየት ዝተትሓዘ ኮይኑ ክሳዕ እቲ ሕብረት ዝተበታተነሉ 1991 ብኸምኡ እዩ ጸኒሑ።
መሰል ቀውፊ
እተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ዘለወን ፍሉይነት፡ ንውሳነ ዝኾነ ኣብቲ ባይቶ ዝዝተየሉ ዛዕባ ብቀውፊ ደው ከብልኦ ዘኽእል ስልጣን ስለ ዘለወን እዩ።
እዚ ማለት ሓንቲ ካብኣተን ንዝኾነ ውሳነ እንተተቓዊማ ክሓልፍ ኣይኽእልን። ድምጻ ካብ ምሃብ እንተተቖጢባ ግና እቲ ውሳነ ክሓልፍ ይኽእል እዩ።
እዚ ብፍላይ ከምዚ ናይ ዩክሬን ኣብ ዝኣመሰለ፡ እተን ናይ ቀውፊ ስልጣን ዘለወን ሃገራት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ግጭት ተሳተፍቲ ምስ ዝኾና ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ።
ነቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ረብሓ ምግጫው ክኽልክል ዘኽእል መምርሒ የሎን።
ኣብ 2020 ልዕሊ 100 ሃገራት ነቲ ብፈረንሳን ሜክሲኮን ዝቐረበ ኣብ ኣጠቓቕማ መሰል ቀውፊ ምትዕርራይ ዝገብር እማመ ድጋፈን ገሊጸን።
እቲ እማመ፡ እተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ “ብዙሕ ግህሰት” ኣብ ዝተፈጸመሉ ጉዳያት ብፍታወንን ብሓባርን ስልጣን ቀውፊ ካብ ምጥቃም ክቑጠባ ይጠልብ።
ከም ስጳኛ ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ከኣ፡ መሰል ቀውፊ ምሉእ ብምሉእ ክውገድ ሓቲተን።
ዘይቀወምቲ ኣባላት
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት፡ ዓሰርተ ሃገራት ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክኾና ይምረጻ። ኣብዚ ኩለን ሓፈሻዊ ባይቶ ዝተወከላ ኣባል ሃገራት ድምጸን ክህባ ይኽእላ።
እዚ ዞባዊ ሚዛን ንምሕላው ዝዓለመ ኮይኑ፡ ሓሙሽተ ካብ ኣፍሪቃ ወይ እስያ፣ ክልተ ካብ ላቲን ኣሜሪካ፣ ሓንቲ ካብ ምብራቕ ኣውሮጳ ክልተ ከኣ ካብ ምዕራብ ኣውሮጳ ወይ ካልእ ዞባ ብምዃን ዘይቀወምቲ ኣባላት ኮይነን ይምረጻ።
ኣብዚ እዋን (ሚያዝያ 2022)፡ እተን ዘይቀወምቲ ኣባላት እቲ ባይቶ፡ ህንዲ፣ ኣየርላንድ፣ ኬንያ፣ ሜክሲኮ፣ ኖርወይ (ክሳዕ 31 ታሕሳስ ዝጸንሓ) ከምኡ’ውን ኣልባንያ፣ ብራዚል፣ ጋቦን፣ ጋናን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ክሳዕ መወዳእታ 2023 ዘገልግላ እየን።
ሃገራት ኣብዚ ባይቶ ንምእታው ንሕንሕ ክገብራ እንከለዋ፡ ገሊአን ቅድሚ ዓመታት እየን ክወዳደራ ምዃነን ዝገልጻን ደገፍ ካልኦት ዝሓታን።
ነፍሲ ወከፍ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ንሓደ ወርሒ ፕረዚደንት እቲ ባይቶ ብምዃን ተገልግል።
ምስፍሕፋሕ
ኣብ ዝሓለፈ 75 ዓመታት ጎባልል ኮይነን ዝወጽኣ ሃገራት ግና፡ ንህልዊ ብዝሐ-ሓያላን ዘለዎ ዓለም ዝውክል ከምዘይኮነ ብምግላጽ ንኣቃውማ ባይቶ ጸጥታ ብትሪ ክነቕፋ ይስምዓ።
ኣብ 1993 ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ጽገናታት ንምትእትታው ዝሰርሕ ጉጅለ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ዘሎ ዘይምርድዳእ ዛጊት ብዙሕ ኣይተዓወተን።
እተን ብ ጂ4 ዝፍለጣ ህንዲ፣ ጀርመን፣ ጃፓንን ብራዚል ከምኡ’ውን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ገለ ካብቶም ቀዋሚ መንበር ንምርካብ ንነዊሕ ጻዕርታት ክገብሩ ዝጸንሑ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕሃ ኣብ ዝነበረ ክትዕ ወከልቲ ጂ4 “ነቲ ዝርርብ ሓድሽ ህይወት ንምስኳዕ” ጸዊዖም።
እቲ ባይቶ “ንእስያ፡ ኣፍሪቃን ላቲን ኣሜሪካን ብዝሓሸ መገዲ ብምውካል፡ ንህልው ጂኦ-ፖለቲካዊ ክውንነት ከንጸባርቕ ከም ዝግባእ” ተሰማሚዖሞ።
እቲ ሓባራዊ ኣፍሪቃዊ መርገጺ ብዝብል ዝፍለጥ፡ “ዝያዳ ወካልን ደሞክራስያውን” ባይቶ ጸጥታ ክህሉ ዝጠልብ ኣረኣእያ፡ ኣብ 2005 ኣብ ክለተ ኣዋጃት – ስምምዕ ኤዙልዊኒን ኣዋጅ ሲርተን – ሰፊሩ ኣሎ።
ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤልን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነበር ኮፊ ኣናን እቲ ዕረያ ነቲ እቲ ባይቶ ኣብ ዓለም ንዘለዎ ስፍራ ዘዳኽም እዩ ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ስጉምቲ ምውሳድ
ባይቶ ጸጥታ ኣብ ምውጋድ ብረታዊ ግጭት ኣገዳሲ ተራ እዩ ዘለዎ። ሓንሳእ ግጭት ምስ ተወልዐ ግና እቲ ቀንዲ ዕላምኡ ዲፕሎማስያዊ መፍትሒ ምንዳይ እዩ።
እቲ ግጭት እንተቐጺሉ፡ እቲ ባይቶ ተኹሲ ኣብ ምቁራጽን ዓቃቢ ሰላም ናብቲ ስፍራ ኣብ ምውፋርን ይሰርሕ።
ኣባላት ሕቡራት ሃገራት እገዳታት ከንብር ክእዝዝን ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ከኣ ኣብ ልዕሊ ወራሪ ኣካል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ከፍቅድን ይኽእል።
ኩለን ኣባል ሃገራት ሕሃ ንውሳነታት ባይቶ ጸጥታ ከኽብራ ይሕተታ።
ነቐፌታ
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዋላ ኣብቲ ንጹር ምልክታት ኣብ ዘለዎ ኩነታት፡ ዕንወት ክሳዕ ዘጋጥም ስጉምቲ ብዘይምውሳድ ይኽሰስ፤ ነዚ ከም ኣብነት ዓሌታዊ ህለቂት ርዋንዳ 1994 ይለዓል።
እቲ ናብ ውሳነ ዘብጽሕ መስርሕ ዝሕቱል ምዃኑን መሰል ቀውፊን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ሃገራት ነቲ ሕጋዊ እዩ ዝብልኦ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ፍቓድ ከይረኸባ ክወስዳ ዘኽእል እዩ።
ኣብ 1999 ኔቶ ኣብ ልዕሊ ዩጎስላቭያ ዝገበሮ ደብዳብ ፍቓድ ናይ’ቲ ባይቶ ኣይነበሮን።
ሃገራት ኔቶ፡ ብፍላይ ብቢል ክሊንተን ትምራሕ ዝነበረት ኣሜሪካ፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኮሶቮ ዝነብሩ ህዝቢ ኣልባንያ ብሓይልታት ዩጎዝላቭያ ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት በይነኣዊ ስጉምቲ ምውሳድ ሕጋዊ ምዃኑ ገሊጸን።
ሩስያ ግና ብዘይ ፍቓድ ባይቶ ጸጥታ ዝተፈፈመ እቲ ደብዳብ ነቲ ኩነታት ከምዘበኣኣሶ ሞጊታ።
ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ 2003 ንጹር ፍቓድ ናይ ባይቶ ጸጥታ ከይረኸባ ኣብ ልዕሊ ኢራቕ ወራር ፈጺመን።
ብባይቶ ጸጥታ ሕሃ ዝሓለፈ ውሳነ 1441፡ ዒራቕ ዕጥቓ ክተውርድን ምስ ተቖጻጻሪ ኣጽዋር ክትተሓባበርን እዩ ጠሊቡ።
እንተኾነ ግና ፈረንሳን ሩስያን ዝርከብኦም ገለ ቀወምቲ ኣባላት እቲ ባይቶ፡ እቲ ውሳነ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ብዛዕባ ምፍቓዱ፡ ምስ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ክሰማምዓ ኣይከኣላን።
ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ከኣ ባይቶ ጸጥታ ኣገዳሲ ስጉምትታት ወሲዱ ኣሎ።
ካብ 2006 ክሳዕ 2015 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ምስ ኑክሌራዊ መደባታ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ኢራን ናይ ኣጽዋርን ምስ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ምትእስሳር ኣብ ዘለዎም ቴክኖሎጅን ተደጋጋሚ እገዳታት ኣንቢሩ።
ካብ 2006 ጀሚሩ ኣንጻር ሰሜን ኮርያ- ብምኽንያት የይ ኑክሌራዊ ኣጽዋር መደባታ- ልዕሊ ዓሰርተ ውሳነታት ኣሕሊፉ ኣሎ።
እቲ ውሳነታት ንመሸጣ ኣጽዋር፡ ወተሃደራዊ ንዋት፡ ሳይንሳዊ ምትሕብባርን እገዳ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ መደብ ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ዝዋስኡ ውልቀ ሰባትን ዝዓለመ እዩ።
ኣብ 2001 እቲ ባይቲ ኣብ ክሊ ኣየር ሊብያ በረራ ክእግድ እንከሎ እዚ ብተዘዋዋሪ ኣብ ምውዳቕ መንግስቲ ጋዳፊ እጃም ነይርዎ።
ኣብ 2012 ሩስያን ቻይናን ናብቲ ምስ ሩስያ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ስርዓት ፕረዚደንት በሽር ኣል ኣሳድ- ሶርያ ዝዓለመ ብርክት ንዝበለ ውሳነታት እቲ ባይቶ ቀውፊ ብምጥቃም ደው ኣቢለን።
ሎሚ’ውን ዝኾነ ኣንጻር እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ዝዓለመ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕሃ ዝቐረበ እማመ ሩስያ ብዘለዋ ስልጣን ቀውፊ ደው ይብል ኣሎ።