
‘ኢትዮጵያ፡ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ህልቂት ኣትያ ‘ላ’- ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና
ፍልፍል፡ BBC
እቲ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ጠቕላላ ጉባኤ ዘካየደ፡ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ)፡ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ እታ ሃገር ርእይቶ ናብ ዘይትፈልጥ ቅልውላው ከምዝኣተወት ተዛሪቡ።
እታ ሃገር ካብዚ ደልሃመት ክትወጽእ እትኽእል ብ’ሓቀኛ እንካን ሃባን’ ጥራይ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሩ።
ፕሮፌሰር መረራ: “ኢትዮጵያ ክትቅጽል ኣለዋ ዝብሉን ብሓድነት ኢትዮጵያ ዝኣመኑን ሓይልታት ምእንቲ ሃለዋት እታ ሃገርን ምእንተ ህዝባን፡ ከፍ ኢሎም ብእንካን ሃባን፡ ክዘራረቡ ኣለዎም” ኢሉ።
እታ ሃገር ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ኲናት፣ ህልቂትን ጥሜትን ከምኡ’ውን ናይ ሚልዮናት ምዝባልን ምውጻእ ዝከኣል ብሓቀኛ ሃገራዊ ዕርቂ ጥራይ ምዃኑ ወሲኹ ተዛሪቡ።
“ኢትዮጵያ ይኣኽላ፤ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ናብ ዘይትፈልጥ ህልቂት ኣትያ ኣላ። ካብ ምቅትታልን ምጥፍፋእን ክትወጽእ ኣለዋ። ዝሰልጠነ ዓለም ካብዚ ዝወጽአ፡ ብዕውት ሃገራዊ ዕርቂ፣ ዝርርብ፣ ናጻን ፍትሓውን መረጻ ብምክያድን ስርዓት ዲሞክራስን ብምስፋንን እዩ ” ኢሉ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንኽልተ መዓልታት ጉባኤ ዘካየደ ውድብ ፖለቲካ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ)፡ ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዘድሃበ መግለጺ ቅዋም ኣውጺኡ ነይሩ።
እቲ ሰልፊ ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ዘሻቕሉ ጉዳያት፣ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተገበረ ፖለቲካዊ ለውጥን ብዝምልከት ከም ዝዘተየ ገሊጹ እዩ።
ኦፌኮ ኣብ መግለጺኡ፡ ኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብን ዘይተገደበ ረድኤት ክሓልፍን ዝጸወዐ ዀይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ፡ ሃገራዊ ዘተ፡ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ስለምንታይ?
ፕሮፌሰር መረራ፡ ኦፌኮ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ዘይሳተፈሉ መኽንያት ካብ ኣበጋግስኡ ጀሚሩ መሰራተዊ ጉድለት ዘለዎን፡ ነጻን ዘይሻራውን ብዘይምዃኑን እዩ- ኢሉ።
“ነጻን ዘይሻራዊን ዘይኮኑ ትካላት፡ ክፈርዱን ከሸማግሉን ከምዝይክእሉ ኩሉ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ኩሎም ተጻባእቲ ኣካለት ዘየሳትገፍ መድረኽ ትርጉም የብሉን” ኢሉ።
ፕሮፌሰር መረራ፡ ብቐንዱ ዘልዕሎ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ዘይምክታቶም ምዃኑ ተዛሪቡ።
እቲ ተጣይሱ ዘሎ ኮሚሽን፡ ነቶም ኣብ ጫካታተት ኦሮምያ ዘለዉ ዕጡቓት ከዛረብ ይኽእል ዶ፡” ክብል ይሓትት።
ኣብ ትግራይ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰራዊት ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ከምኡ፤’ውን ዕጡቓት ኦሮሞ፡ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ዕጡቓት ጋምቤላ ብምጥቃስ፡ “ነዚኦም እንታይ ኢሉ እዩ ዕጥቂ ኣውርዱ ክብሎም፡ ንሳቶምከ ይሰምዕዎ ዶ” ክብል ወሲኹ ይሓትት እቲ ፕሮፌሰር።
ብተወሳኺ፡ “መሳራታዊ ጉዳያት ዘየማለአን፡ ካብ ገዛኢ ውድብ ካብ ባዕሉ 98 ሚኢታዊነት ዝተቖጻጸሮ ፓርላማ መልሚሉን ‘ሃገራዊ ሰነያ ፍጠሩ’ እንተበለ፡ ሃገራዊ ዕርቂ ዶ ይፈጥር ? እንታይ እዮም ዝገብሩ ዘለዉ? ተቓወምቲ ውድባት ዘይተስማምዕሉ” ኢሉ ፕሮፌሰር መረራ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት።
መንግስቲ፡ እዞም ኮሚሽነራት ብህዝቢ ዝተመርጹ እዮም እዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ፕሮፌሰር መረራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ መረጻ ኩሉ ግዜ ‘መስሐቒ’ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ስርዓት ሃይለስላሴ፣ ደርግን ኢህወዴግን በብገኖም ኩሎም ‘መረጻ ኣካይድና’ ይብሉ ከምዝነበሩ ታሪክ ኣዘኻኺሩ።
“እቲ ሓቂ ግን፡ ህዝቢ ከምዘይመረጾም ኢና ንፈልጥ። እዚ ኩነታት እዩ ኢትዮጵያ ናብዚ ኣብጺሕዋ ዘሎ” ኢሉ።
መረጻ ብዝምልከት
እቲ ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ መረጻ፡ ድማ ሰለስተ ነገራት ኣይፈትሐን ኢሉ ይኣመን።፥
ሰላምን ምርግጋእን፣ ዲሞክራስያዊ ስርዓት፡ ከመኡ’ውን ቁጠባዊ ልምዓት ኣየረጋገጸን ኢሉ።
“ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጥሜት ተፈጢሩ ኣሎ። ንኣሸሓት ዓመታት ሓቢሮም ዝነበሩ ህዝብታት ኣመሓራን ቅማንትን ናብ ህልቂት ኣትዮም። ንዘመናት ሓቢሮም ዝነበሩ ኣገው፣ ኣምሓራን ትግራይን ዝተፈጠረ ህልቂት ምጥቃስ የከኣል እዩ። ‘ካብዚ ምጥፍፋእን ምቅትታልን ንውጻእ’ ኢና ንብል ዘለና” ክብል ኣረዲኡ።
ኦፌኮ ደጋጊሙ ሃገራዊ ልዝነብ አዝዩ ዝሃትት፡ ስልጣን ብዘይ መረጻ ክሕዝ ይደሊ ድዩ ብዝብል ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ።
“ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ፤ መብዛሕትና ካብ’ቲ መረጻ ተደፊእና ኢና ወጺእና። ኣብዝሓ ኢትዮጵያዊ ኣብ’ዚ መረጻ ኣይተደሳተፈን። እቲ መረጻ ነጻን ቅቡልነት ዘለዎን ኣይኮነን” ኢሉ።
ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት መረጻ፡ ኣብ ኣብዝሓ ከባብታት ከምዘይተኻየደ እዩ ዝገልጽ።
“ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ ክልል ኦሮምያ እዩ፤ ኣብዚ ክልል ዳርጋ መረጻ ኣይነበረን። መረጻ ኣሎ ማለት ተነሓናሒ ኣሎ ማለት እዩ። ኣብቲ ክልል፡ ገዛኢ ውድብ ምስ ባዕሉ እዩ ተወዳዲሩ። ምስ ባዕልኻ ንምውድዳር ስለ ምንታይ ናይ ህዘቢ ሃብቲ ይፈስስ” ኢሉ።
ከምኡ’ውን ኣብ ኣብ ክልል ሶማሊ፡ ሓርነት ግንባር ኦጋዴን [ኦብነግ] ካብቲ መረጻ ተደፊኡ ምውጽኡ ብምዝኽካር፡ “መረጻ ዝምስል ዝነበረ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኣምሓራን ጥራይ እዩ” ኢሉ።
ኣብ ኣብዝሓ ከባብታት ክልል ቤንሻንጉል ጉመዝ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ትግራይ መረጻ ከምዘይተኻየደ ብምጥቃስ፡ መረጻ ኢልካ ንምጽዋዕ ዝምጥን ከምዘይኮነ ኣረዲኡ።
ከምኡ’ውን ብዘይሻራዊ ኮሚሽን ዝካየድ መረጻ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ሓቢሩ።
ኮሚሽንን ኮሚሽነራትን
ሃገራዊ ዕርቂ ዝጽውዕ ዝነበረ ኦፌኮ ዶ ኣይኮነን፡ እቲ ኮሚሽን ነጻ ኣይኮነን ንምባል እንታይ መረዳእታ ኣለኩም ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ፕሮፌሰር ነቶም ሽድሽተ ከሚሽነራት ከምዝፈልጦም፡ እንተኾነ፡ ነዐኦም ምፍላጥ ዘይምፍላጥ ዘገድስ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ።
“እቲ መስርሕ ዝተበላሸየ እዩ፤ ከይተወልደ ዝሞተ ኮሚሽን እዩ” ኢልዎ።
“ገዛኢ ውድብን፡ ደገፍቱን ኣብ ዝደልዩዎ ግዜ ኣብ ፓርላማ ተቐሚጦም ክዘራረቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኮሚሽን ግን ንተቓወምቲ ውድባት ይውክለናዶ፡ የዛርበናዶ ዝብል እዩ። እዚ ከሸማግለና ኣይኽእልን። እዚ ኮሚሽን ንኢትዮጵያ ዕርቂ ክፈጥረላ ወይ ድማ ከሰጋግራ ይኽእሉ እዩ ዝብል እምነት የብለይን” ኢሉ።
ዝተፈላለዩ ኣካለት ንምሽምጋል፡ ኣብ ወጻኢ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናይ ባዕሉ ኣከያይዳ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ሳልሳይ ወገን ዝኣትወሉ፡ ወይ ድማ ተሸማገልቲ ነናይ ባዕሎም ሰባት ዘቕርብሉ ኣገባብ ኣዘኻኺሩ።
ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ፡ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ምስ ህወሓት ናብ ኲናት ምእታው ከምዘየድልን እቲ መረጻ ብኮቪድ-ኣመኽኒኻ ምመንዋሕ ኣድላይ ከምዘይበረን መኺረዮ ነይረ ይብል።