ኲናት ኢትዮጵያ፡ ዕንቅፋት ሰላማዊ ዝርርብ ክኾኑ ዝኽእሉ ሓሙሽተ ጉዳያት
ፍልፍል፡ BBC
መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ’ታ ህዝባ ኣብ ዕጽዋ ዝርከብ ትግራይ ንምብጻሕ፡ ተኩሲ ጠጠው ምባል ኣዊጆም ኣለዉ።
ብዙሓት ወገናት፡ እዚ ውጥን ሰላም፡ ናብ ምሉእ ምቁራጽ ተኹሲ ክብ ክብልን፡ ነቲ 17 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ክርከበሉን ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ።
እዚ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ብዝብል ዝተገብረ ውሳነ፡ ነቲ ቅድሚ ሕዚ ዝካየድ ዝነበረ ሽምግልና፡ ፍረ ከፍሪ ደኾን ይኾን ዝብል ተስፋ ኣብ ብዙሓት ፈጢሩ ኣሎ።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንፕረዝዳንትን ናይጄሪያ ነበር፡ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፡ ፍሉይ ልኡኽ ገይሩ ሸይሙ፡ ካብ ኣዲስ ኣባባ ናብ መቐለ እናተመላለሰ ናይ ሽምግልና ጻዕሪ ክገብር ጸኒሑ እዩ።
ኣመሪካ ብወገና፡ ኣለውኒ እትብሎም ዲፕሎማሰኛታት ፍሉይ ልኡኽ ገይራ ብምስዳድ፡ ናይ ጻዕርታት ሰላም ክትገብረ ጸኒሓ እያ።
ቅድም ክብል፡ ጄፍሪ ፌልትማን ካብኡ ቀጺሉ ድማ፡ ዴቪድ ሳተርፈልድ ብተደጋጋሚ ናብ ኣዲስ ኣበባን ናብ ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባን ክመላለሱ ተራእዮም።
ካብኡ ሓሊፉ፡ ኬንያ ብፕረዚደንታን ካልኦት ሰብ ስልጣናን ኣቢላ፡ ብወገና ጻዕሪ ክትገብር ከምዝጸሓት ብሰፊሑ ይዝረብ።
እንተኾነ፡ እቶም ልኡኻት ካብ ምምልላሶም ወጻኢ እዚ ዝበሃል ውጽኢት ሰላም ኣይተረኽቦን ጸኒሑ።
ካብኣቶም ኮነ ካብቶም ተሸማገልቲ ዝተውሃበ ዕላዊ መግለጺ’ውን የለን።
ንምዃኑ፡ ቅድሚ ሕዚ ካብ ወገን ትግራይ ዝተቐመጡ ቅድመ ኩነታት ብምብጋስ፡ ንመጻኢ ዝግበሩ ጻዕርታት ሰላም ዕንቅፋት ክኾኑ ዝኽእሉ ጉዳያት ኣየኖት እዮም? ሓሙሽተ ነገራት ክንድህስ።
ምዕራብ ትግራይ
ኢህወዴግ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽአሉ እዋን፡ እቲ ዝጸንሐ ወሰናት ምሕደራ ብምፍራስ፡ ከም ብሓድሽ ኣብ መንነት ዝተመስረተ ክልላዊ መዋቕር ምግባሩ ዝዝከር እዩ።
ነዚ ቋንቋን መንንትን መሰረት ዝገበረ ኣካልላ ስዒቡ፡ ሓደ ሓደ ከባብታት፡ ካብ’ቲ ቅድሚ ሕዚ ዝፍለጥሉ ዝነበሩ ክፍለ ሃገራት ወጺኦም ኣብተን ሓደሽቲ ክልላት ክካለሉ ክኢሎም።
ካብ መንጎኦም፡ ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን፡ ክትዕ ዝፈጥሩ ገለ ወሰናት ዝጥቀሱ ይርከብዎም።
ምዕራብ ትግራይ ተባሂሉ ዝፍለጥ ምስ ኤርትራን ሱዳንን ዝዳውብ ሰፊሕን ልሙዕ መሬት እዩ።
እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብዝሓ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ኢድ ሓይልታት ኣምሓራ ከምኡ’ውን ኤርትራን ወዲቑ ይርከብ መራሕቲ ትግራይ ይገልጹ።
ነቲ ከባቢ ንምቁጽጻር ዓቢ ድሌት ዘለዎም ክልቲኦም ክልላት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ከባቢ ዘሎ ሕቶ ይግበአኒ፡ ናብ ድርድር ዝኣቱ ከምዘይኮነ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ብሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግዝኣት ክልል ትግራይ ዝኾነ ምዕራብ ትግራይ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ብዘይ ወዓል ሕደር ለቒቖም ክወጽኡ ዝብል ብመራሕቲ ትግራይ ቅድመ-ኩነት ኮይኑ ቀሪቡ ነይሩ።
እዚ ብሸነኽ ክልል ኣምሓራ ተቐባልነት የብሉን።
ስለዚ ናይቲ ከባቢ ረብሓን ሕቶ ይግበአንን፡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ኲናት ብሰለማዊ መገዲ ከይውዳእ ሓደ ዓቢ ዕንቅፋት ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ሰራዊት ትግራይ
እቲ ኲናት ምስ ተወልዐ፡ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ሰራዊት ፈዴራል ንከተማ መቐለ ምቁጽጻር’ኳ እንተኸኣለ፡ ሓይልታት ትግራይ ብዙሕ ሓይሊ መልሚሎም፡ ደጊሞም ኣብ ልዕሊ ሓይልታት መንግስቲ መጥቃዕቲ ንምፍናው ዘኽእል ዓቕሚ ፈጢሮም።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ንርእሰ ከተማ መቐለ ሓዊሱ፡ ኣብዝሓ ከባብታት ትግራይ መሊሶም ምቁጽጻር ምኽኣሎም ዝዝከር እዩ።
ካብኡ ሓሊፉ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ደፊኦም ብምእታው፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተጸግዑ መጺኦም ክሳብ ደብረብርሃን በጺሖም ነይሮም።
ብዙሓት ወተሃደራዊ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ነባራት ኣባላትን ተዋጋእትን ህወሓት ስለዝኾኑ፡ ዝተፈለየ ወተሃደራዊ ቁመና ዘለዎ ሰራዊት ክኸውን ኣኽኢሉዎም እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ትግራይ ክንደይ ዝኣኽሉ ወተሃደራት ከምዘለውዎ ብዕሊ እንተዘይተፈልጠ’ኳ፡ ንሰራዊት ፈዴራል ዝመጣጠን ሓይሊ ከምዘለዎም ይግመት።
ካብ ከቢድ ኣጽዋር ክሳብ ኣናእሽቱ ብረት ዝተዓጠቐ ሓይልታት ትግራይ፡ ንፌዴራል መንግስቲ ስግኣት ኮይኑ እዩ ዝረአ።
መንግስቲ ፌዴራል፡ ንሰላማዊ ልዝብ እንትቐርብ፡ እዚ ከም ሕቶ ሒዙ ምቕማጡ ዘይተርፍ ይመስል።
ብኻልእ ወገን ብጸላእቲ ተኸቢብና ኢሎም ዝኣምኑ መራሕቲ ትግራይ፡ ዕጥቂ ምፍታሕ ተቐባልነት ዘለዎ ኣማራጺ ኮይኑ ክቐርብ ዝኽእል ኣይክኸውን።
መራሕቲ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ኣትሪሮም ከምዝበልዎ፡ ህላወ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝኾነ እዋን ናብ ሕቶ ዝቐርብ ኣይኮነን።
ብሰሜን ካብ ኤርትራ፣ ብደቡብ ብኣምሓራ ብምብራቕ ድማ፡ ካብ ሓይልታት ዓፋር ናይ ጸጥታ ስግኣት ኣለና ኢሎም ዝኣምኑ መራሕቲ ትግራይ፡ ኣይኮነን ዕጥቂ ከፍትሑ፡ ኣዝዮም ዓቕሞም ካብ ምውዳብን ምብርታዕን ንድሕሪት ዝብሉ ኣይመስልን።
ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት
ኣብ ትግራይ ልዕሊ 83 ሚኢታዊ ተጸባዪ ረድኤት ኾይኑ ከምዘሎ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ይገልጹ።
እቲ ተስፋ ዝተግበረሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጽአ ተኩሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ፡ ሓይልታት ትግራይ’ውን ከምዝበልዎ፡ ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል ብቕልጡፍ ረድኤት ክበጽሕ እንተኽኢሉ ጥራይ እዩ።
ክልቲኦም ወገናት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ምእንቲ ክባጻሕ፡ ተኹሲ ደው ምባሎም ምግላጾም ተስፋ ፈጢሩ ነይሩ።
እንተኾነ፡ እቲ ውሳነ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ኮይንዎ’ኳ እንተሎ፡ ዛጊድ ናብቲ ክልል ዝበጽሐት ጥር እትብል ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘየላ ዓለምለኻዊ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ይገልጹ። መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ባዕሎም ንባዕሎም ምክሳስ ቀጺሎም ኣለዉ።
መንግስቲ ፌደራል ሓሙስ 22 መጋቢት 2014 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ብወገን ኣብዓላ፡ ቀረብ ረድኤት ናብ ትግራይ የግዕዝ ከምዘሎ እንተገለጸ’ኳ፡ ዘተኣማመን ኣይኮነን። ብምዃኑ’ውን እቲ ስምምዕ፡ ገና ሀ ኢሉ ከይጀመረ ከይፈርስ ዓቢ ስግኣት ኣንጸላልዩ ኣሎ።
ብነፈርቲ ረድኤት ንምብጻሕ ፈተነታት’ኳ እንተሎ፡ ሰብኣዊ ረድኤት፡ ብቐንዱ ብመሬት ዝግበር መጓዓዝያ እዩ ክጓዕዝ ዝኽእል።
ሓላፊት ትካላት ረድኤት ኣመሪካ፡ ዩኤስኤኣይዲ፡ ሳማንታ ፓዎር፡ ነፈርቲ ውሑድ ረድኤት ናይ ምሽካም ዓቕሚ እዩ ዘለዎን፡ እቲ ዋገአን ድማ ዝቕረብ ኣይኮነን ኢላ ነይራ።
ንኣብዓላ ሓዊሱ፡ ገለ ክፈላት ዓፋር ተቖጻጺሮም ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ክለቁ ካብ መንግስቲ ፌዴራል ሕቶ ይቐርብ ኣሎ።
ጉዳያት ሕግን ብያነታትን
ሃገራዊ ባይቶ መንግስቲ ፌደራል፡ ነቲ ብኲናት ዝገጠመሉ ክልል ትግራይ፡ ዝመርሕ ህወሓት ኣብ መዝገብ ሽበራ ኣስፊርዎ እዩ ዘሎ።
እዚ ጥራይ ከይኮነ፡ ንኣብዝሓ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ብኽሕደት ሃገርን ብካልኦት ከበድቲ ገባናት ከሲሱ ይርከብ።
መንግስቲ ፉዴራል ምስ’ዚ፡ ኣብ መዝገብ ሽበራ ዘሰፈሮ ኣካል ምዝታይ ኣይክእልን ዝብል ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ እዚ ብይናትን ክስታትን ከይተልዓለ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ መጺኦም ክዘረራቡ ይኽእሉ ዶ ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ።
መንግስቲ ፌዴራል፡ ምስ መራሕቲ ትግራይ ንምዝርራብ፡ ህወሃት ካብ መዝገብ ሽበራ ከልዕሎ ከምዘለዎ እንተተገልጸ’ኳ፡ ቀሊል ዘይብሃል ተቓውሞ ከጋጥሞ ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።
ቅድም ክብል፡ ንኣቶ ስብሓት ነጋ ሓዊሱ ገለ ነባራት ኣመራርሐ ህወሓት ዝፈትሐ ኾይኑ፡ ካብ ደገፍቱ ከይተረፈ ተቓውሞ በጺሕዎ ነይሩ።
ሕዚ’ውን መራሕቲ ትግራይ ከምዝብልዎ፡ ብዓሰርተ ኣሸሓት ዝቑጸሩ፡ ኣባላት ምክልካል ሃገር ዝነበሩ ዛጊድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።
እዚኦምን ካልኦት ተወለድቲ ትግራይን ካብ ማእሰርቲ ይፈትሑ ዝብል ካብቶም ካብ ትግራይ ዝቕመጡ ቅድመ ኩነታት ሓደ እዩ።
መንግስቲ ፌዴራል፡ ንህወሓት ካብ መዝገብ ሽበራ ምስራዝ፣ እሱራት ምፍታሕን መዝገባት ክሲ ምስራዝን ሓደ ዕንቅፋት ክኾኖ ከምዝኽእል ምግማት ይከኣል።
ኣገልግሎት ስልክን ባንክን
ነቲ ኣብ ትግራይ ፈኸም ዝብል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋድድ ዘሎ፡ ኣብቲ ክልል ዝተቛረጹ ኣግልግሎታት ብቐንዱ ዝጥቀስ እዩ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሙሉእ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበርን ዝተቋረጹ ኣግልግሎት ባንክን ስልክን ክኽፈቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጻውዒት ገይሩ ኣሎ።
እዞም ዳርጋ ንሓደ ዓመት ተቛሪጾም ዝጸንሑ መንግስታዊ ኣገልግሎታት፡ መሊስካ ንምጅማር ብመንግስቲ ፌዴራል፡ ቅድመ-ኩነት ዝቕመጠሉ እንተኾይኑ፡ ካልእ ቀንዲ ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል እዩ።