መቐለ – ኣዲስኣበባ – ዩክረይን. . . ዘደንቕ ጕዕዞ ትዕግስቲ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
“ብእግርና 30 ኪሜ ተጓዒዝና፡ ኣብ ዶብ ን 14 ሰዓታት ደው ኢልና፣ ጥይት ከም ቆሎ ከንጣዕጥዕ ሰሚዕና፡ ነፈርቲ ውግእ ብዝባንና ክዝንብያ ርኢና፣ ዓሌታዊ ኣድልዎ ገጢሙና።”
እዚ ዛንታ ትዕግስቲ እዩ፡፡
ትዕግስቲ (ኣብዚ ታሪኽ ሽማ ዝተቐየረ)፡ ኣብዚ ክልተ ዓመት ዓለምና ብዝረኣየቶም ክልተ ውግኣት ዝሓለፈት እያ።
ትዕግስቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ እያ ናብ ዩክረይን ተጓዒዛ። ዋላ’ኳ ብናይ ተማሃራይ ቪዛ ናብ ኪቭ እንተኣተወት፡ ዕላማኣ ግን ንዩክረይን ከም መሰጋገሪ ምጥቃም እዩ ነይሩ፡፡
ነዊሕ እንተይጸነሐት ግን፡ ሩስያ ነጋሪት ኲናት ክትወቅዕ ጀሚራ፤ ‘ሩስያ ንዩክረይን ክትወርር እያ፡’ ዝብል ዜና ንዩክሬናውያን ብርቂ ኣይነበረን፡፡
“ዋላ ኣብኡ ምስ በጻሕኩ እዚ ዜና ይስማዕ ነይሩ። ንሳቶም (ዩክሬናውያን) ግን ምንም ኣይመስሎምን። ክረምያ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሓሓሊፉ ኲናት ስለዘሎ ልሙድ እዩ ነይሩ፡” ትብል ትዕግስቲ።
ኣዲስ ኣበባ
ትዕግስቲ ቅድሚ ናብ ዩክረይን ምኻዳ ናብራኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ ነይሩ። ግዝያዊ ስራሕ እናሰረሐት ህይወታ ትመርሕ ከም ዝነበረት እትገልጽ ትዕግስቲ፡ ስድራኣ ኣብ መቐለ እዮም ዘለዉ።
ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ግን፡ ይትረፍ ከምድሌታ ተመላሊሳ ክትርእዮም፡ ብተሌፎን’ውን ደሃዮም ክትረክብ ኣይከኣለትን።
“ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መሓዛይ ሓንቲ ንእስ ዝበለት ቤት መግቢ ከፊትና ንሰርሕ ነይርና። እቲ ዘካረየና ሰብ ግን፡ ‘ተዛረብቲ ትግርኛ ስለዝኾነክን መዘዝ ከተምጽኣለይ ኢኽን’ ዝብል ስግኣት ሓዲርዎ፣ ነቲ ስራሕ ክንገድፎ ወሲንና፡” ትብል።
ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ንከተማ መቐለ ምስተቘጻጸረን ብተዛማዲ ቅሩብ ምስተረጋግአን ግን ደሃይ ቤተሰባ ረኺባ ነይራ።
መቐለ
ኣብ ወርሒ ግንቦት ናብ ትዕግስቲ ዝተደወለ ተሌፎን፡ መልእኽቲ ሞት ቤተሰብ ዝነግር ነይሩ።
“ይዝክር ናብ መቐለ እንትምለስ ኵነታት ተቐያይሮም ነይሮም። ኣጋጣሚ ዶ/ር ኣብርሃም (ኣብቲ እዋን ሓላፊ ግዝያዊ መንግስቲ ዝነበረ) ኣብታ ዝተሳፈርናላ ኣውሮፕላን ስለዝነበረ፡ እቶም ሓለውቲ ነታ ነፋሪት ከቢቦምዋ ነይሮም። እታ ከተማ ብወተሃደራት ተኸቢባ፡ ብጽምዋ ተዋሒጣ ምርኣይ ቅሩብ ቅር ዘብል ነይሩ።”
”ቅድሚኡ ኣብ መንገዲ ኣየር እንትትወርድ ታክሲ ብብዝሒ ትረክብ፣ ወተሃደራት ብዙሕ ኣይረኣዩን ነይሮም። ደሓር ግን ዘፍርሕ ነይሩ።”
ትዕግስቲ ናብ መቐለ ምስ ከደት ኣቦኣ ብህይወት ስለዝረኸበቶ ዝተሰመዓ ሓጐስ ወሰን ኣይነበሮም።
“ብዛዕባ እቲ ኣቦይ ዘሕለፎ ነገር ብዙሕ ክዛረብ ኣይደልን፣ እንተኾነ ከቢድ እዋን ከምዘሕለፈ ይነግረና ነይሩ።”
ትዕግስቲ ሓዘን በጺሓ፡ ወላዲኣ ሓቲታ፡ ፈተውታን ኣዝማዳን ረኺባ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተመለሰት ድሕሪ ሰሙን ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ተቘጻጺሮምዋ።
መንገዲ ተዓጽዩ፣ ስልኪ እውን ተቛሪጹ።
ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስተመለሰት፡ ናብ ወጻኢ ሃገር እትኸደሉ መንገዲታት ምድላይ ጀሚራ። ሽዑ እዩ ኸኣ ናብ ዩክረይን ምኻድ ዝብል ሓሳብ ዝመጽኣ።
ስለምንታይ ዩክረይን?
ትዕግስቲ ናብ ዩክረይን ምኻድ ቀሊል ከምዝኾነ ስለዝሰመዐት እያ ናብኡ ክትከይድ ወሲና።
“መሓዛይ፡ ‘ናብ ዩክረይን እንተኼድና ቪዛ ምርካብ ከቢድ ኣይኮነን፣ ክፍሊት ትምህርቲ ክፍሊት’ውን ከም ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣይከብድን’ ስለዝበለትኒ ብሓንሳብ ምሕሳብ ጀሚርና። ኣብቲ እዋን ብዙሕ ሰብ ንዩክረይን ከም መሰጋገሪ ንኽጥቀመላ የመልክት ነይሩ።
“ኣነ ዕድለኛ ኮይነ ብዘይ ኤጀንት (ወኪል) እየ ኣመልኪተ። ክንዲ’ቶም ብኤጀንት ኣቢሎም ዘመልከቱ ዝገበርዎ ወጻኢ ኣየውጻእኩን። ኣብ መጀመርታ ኣይሰለጠናን፣ ኣብ ካልኣይ ዙር ግን ሰሊጡና።”
ትዕግስቲ ኵሉ ሰሚሩላ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ናብ ኪቭ ከይዳ።
ኪቭ
ትዕግስቲ ብፍሕሹው ገጽ ናብታ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ምስ በጸሐት፡ ከቢድ ቁሪ ከምዝተቐበላ ትዝክር።
”ክትጻወሮ ከቢድ እዩ፣ ኣብ ኪቭ ስለዝነበርኩ ግን፡ ኣብኡ ኸኣ ብተዛማዲ እንግሊዝኛ ዝዛረብ ብዙሕ ሰብ ስለዘሎ ሓጊዙኒ። መሓዛይ ቀዲማ ኣትያ ስለዝነበረት ገዛ ተኻርያ ኵሉ ነገር ኣዳልያ እያ ተጸብየትኒ።
“ኣብ ዩክረይን ንምጽናሕ ሕጋዊ ወረቐት ስለዘድሊ ናብ ቤት ትምህርቲ ከይደ፡ ናይ ሓደ ዓመት ክፍሊት ከፊለ ኣመልኪተ፣ ፍቓድ’ውን ተዋሂቡኒ። ንናይ ቋንቋ ትምህርቲ እንተኾይኑ ናይ ሓደ ዓመት ፍቓድ ይህቡ እዮም። ንናይ ዲግሪ ትምህርቲ እንተኾይኑ ድማ ናይ ኣርባዕተ ዓመት መንበሪ ፍቓድ ትረክብ።”
ትዕግስቲ ንዩክረይን ከም መሰጋገሪ ተጠቒማ ድሕሪ ሓደ ክልተ ዓመት ናብ ኣመሪካ ንምኻድ ትልሚ ነይሩዋ።
“ዩክረይን ምስ ኣተኹ ሓሳበይ ቀዪረ፣ ናብ ሓንቲ ካብተን ‘ሸንገን ቪዛ’ ዝጥቀማ ሃገራት ክኸይድ ወሲነ።”
ወረ ኲናት
ትዕግስቲ ናብ ዩክረይን ካብ ዝኣተወትሉ እዋን ጀሚሩ፡ ‘ሩስያ ንዩክረይን ክትወራ ዶ ትኸውን?’ ዝብል ሕቶ ደጋጊሙ ይለዓል ነይሩ።
“ርግጽ እዩ ኣነ ካብ ዝኸይድ ነዊሕ ኣይገበርኩን። ክረምያ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝሕል ዝበለ ኲናት ከምዘሎ ግን ንሰምዕ ነይርና። ኣብ ስራሕ እናሃለኹ ንገለ ዩክሬናውያን ይሓቶም ስለዝነበርኩ፡ ‘ኣጆኹም መፈራርሒ እዩ፡ ኵሉሳዕ እንሰምዖ እዩ፡’ ይብሉኒ ነይሮም።
“ትሰርሒ ኔርኪ ዲኺ?”
“ብርግጽ ንትምህርቲ መጺና ስራሕ ክንሰርሕ ኣይፍቀደናን። ብዙሓት ተማሃሮ ግን ንባዕሎም ንምሕጋዝ ዝተፈላለየ ስራሕ ይሰርሑ እዮም። ብፍላይ ቋንቋ እንግሊዝ ትመልኽ እንተዄንካ ይደልዩኻ እዮም። ኣነ እውን ስፖርት የስርሕ ነይረ።”
መዓልቲ ወራር
ብኣቈጻጽራ ግእዝ ረቡዕ 17 ለካቲት 2014 ወጋሕታ፡ ሩስያ ንዩክረይን ብዕሊ ወሪራታ። ዓለም ድማ ዓይናን እዝናን ተኺላ ኣድህቦኣ ናብኡ ገበረት። ሰራዊት ሩስያ ኣብ ሰዓታት እንተዘይኰነ ኸኣ ኣብ ሒደት መዓልታት ንኪቭ ክቈጻጸር’ዩ ‘ውን ተባሂሉ።
ኣብታ መዓልቲን ሰዓትን ትዕግስትን መሓዙታን ገና ካብ ድቃሰን ኣይተስኣን ዝነበራ። ሃንደበት ካብ ገዛኹም ኣይትውጽኡ ዝብል መልእኽቲ ብቴሌግራም ክመሓላለፍ፣ ሓሓሊፉ ድማ ድምጺ መዳፍዕ ክስማዕ ጀሚሩ። ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ኵሉ ነገር ተሓዋወሰ።
“ወጋሕታ ሰዓት 12 ኣቢሉ እዩ ስራሕ ኣይትምጽኡ ዝብል መልእኽቲ ዝበጸሐና። ተዅሲ ክንሰምዕ ጀሚርና። ኪቭ ክትጥቃዕ እያ ይበሃል ስለዝነበረ ክንወጽእ ወሲንና። ሰዓት ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ምስ ኮነ ናብ መሓዙትና ክንሕወስ መደብ ነይሩና። ካብቲ እንነብረሉ ከባቢ ተበጊስካ ናብ ማእከል ከተማ ንምኻድ ሓደ ሩባ ክተቋርጽ ኣለካ። እቲ እንሰግረሉ ድልድል ክውቃዕ ይኸእል እዩ ዝብል ስግኣት ነይሩና።”
በዓል ትዕግስቲ ናብ ከተማ ምስወጻ ኣገልግሎት ባንኪ ይዅን ድኳን ንምርካብ ነዊሕ መስርዕ ነይሩ፤ መጓዓዝያ ምርካብ ከኣ ዘይሕሰብ ኮነ።
መንገድታት ከም ዝተጨናነቐን መደበር ባቡር’ውን ሰብ መሊኡ ከምዝነበረ ትዝክር።
“ካልእ እዋን ብ 500 [ባጤራ ዩክረይን] ዝኽየድ ዝነበረ መንገዲ ብኡ ንብኡ 5 – 6 ሽሕ በጺሑ።”
ትዕግስትን መሓዛኣን ምስ ካልኦት ዝፈልጣኦም ደቂ ምዕራብ ኣፍሪቃ እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ኣብ ኪቭ ኣሕሊፎምዋ።
ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ፡ ኪቭ ብድምጺ ጠያይትን መጥቃዕቲ ኣየርን ተናወጸት። ኣብታ ከተማ ዝርከብ ድምጺ እዋን ሓደጋ ክስማዕ ጀመረ።
“ሃንደበት ኣብ ከተማ እናሃለና ‘ሳይረን’ ሰሚዕና፣ ነብስኻ ንምድሓን ጉያ ኮይኑ። እቲ መጥቃዕቲ ካበይ ከም ዝመጽእ ኣይፍለጥን። ብሰማይ ነፈርቲ ጉግ ይብላ፣ ካብ ርሑቕ ከኣ ተዅሲ ንሰምዕ ኔርና። ኵሉ ሰብ ካብቲ መጥቃዕቲ ንምህዳም ኣብ ትሕቲ መሬት ናብ ዘሎ ነቝጣታት ባቡር ክኣቱ ጀሚሩ፣ ንሕና’ውን ኣቲና።”
ትዕግስትን መሓዙታን ነታ ካልኣይቲ መዓልቲ ብኸምዚ ምስ ኣሕለፍኣ። ብድሕረኡ ናብታ ናብ ዶብ ፖላንድ ዝቐረበት ከተማ ለቪቭ ክኸዳ ወሲነን፣ ዓላማአን ናብ ፖላንድ ምእታው’ዩ ነይሩ።
“ይትረፍ ንሕና እቶም ዜጋታት’ውን ጠቕሊሎም ይወጹ ነይሮም። በረራ ከምዝተኣገደ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ ብመኪና ይዅን ብባቡር ዋላ ብእግሪ ዘሎ ኣማራጺታት ተጠቒምና ክንወጽእ ነይሩና።”
ጕዕዞ ናብ ለቪቭ
ትዕግስትን ካልኦት ሸሞንተ መሓዙታን ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ናብ ለቪቭ እትወስድ መኪና ተኻረያ።
“ሸሞንተ ስለዝነበርና ኣርባዕተና ኣብ ሓንቲ መኪና እቶም ካልኦት ድማ ኣብ ካልእ መኪና ክንከውን ነይሩና። እቲ ብልሙድ 7 – 8 ሰዓት ዝወስድ መንገዲ ኣብ 24 ሰዓት ኢና ወዲእናዮ። ሓያል ምጭንናቕ ትራፊክ ነይሩ። ኣብ መንገዲ ታንክታት ብብዝሒ ነይረን፣ መዳፍዕን ዝዓጠቑ ወተሃደራት ይንቀሳቐሱ ነይሮም።”
በዓል ትዕግስቲ እዚ ዅሉ መንገዲ ተጓዒዞም ኣብቲ ዝደለይዎ ዶብ ፖላንድ ኣይበጽሑን። እቲ በዓል መኪና ኣብ ሓደ ነቝጣ ባቡር ኣውሪዱዎም ተመሊሱ።
“ደጊምና ካልእ ታኽሲ ከብጸሐና ክነዘራርብ ጀሚርና፣ እቲ ታክሲ’ውን ነዊሕ ኣይወሰደናን፣ ቅሩብ ምስተጓዓዝና ደርብዩና ተመሊሱ። ዝነበረና ኣማራጺ ብእግሪ ምጕዓዝ እዩ ነይሩ። ልዕሊ 30 ኪሜ ብእግርና ተጓዒዝና። ‘ሰለስተ ሰዓት እዩ ዝወስድ’ ኢሎምና ነይሮም። ግን ልዕሊ 5 ሰዓት ዝኸውን እዩ ወሲዱልና።”
ትዕግስቲ ከምእትብሎ ናብ ዶብ ፖላንድ ካብ ብመኪና ብእግሪ እዩ ዝሰልጥ። ምኽንያቱ ብዙሓት ሰባት መኪናኦም ሒዞም ስለዝወጹ፡ እቲ መንገዲ ዓቕሉ ጸቢብዎ ነይሩ።
“ብእግሪ ተጓዒዝና ኣብ ዶብ እንትንበጽሕ ቀዲሞምና ብመኪና ዝወጹ መሓዙትና ኣይበጽሑን ነይሮም።”
መፈተሺ ነቝጣ ፖላንድ
”ክነገረካ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ፡ ኣብቲ ዶብ ዘጋጠመና ነገር ኣብ ጕዕዞና እቲ ዝኸበደ እዩ፣ ተስፋ ዘቝርጽ። ካብ ገዛና ካብ እንወጽእ ሰለስተ መዓልቲ ኰይኑና ነይሩ፣ ምግቢ’ኳ ብስርዓት ኣይበላዕናን። እኹል ድቃስ ኣይደቀስናን። ነገሩ ምግብን ድቃሰን ኣብቲ ሰዓት ትዝ ኣይብለካን።”
ኣብ ዶብ ፖላንድ ዝነበረ ቝሪ፡ “ንጸላኢኻ’ውን ኣይትምነየሉን” ትብል ትዕግስቲ።
” እቲ ወቕቲ ‘ዊንተር’ ስለዝዀነ እቲ ቝሪ ትሕቲ ዜሮ (ነገቲቭ) እዩ። እቲ ኲናት ዘይቀተለና ቍሪ ክቐትለና እዩ ኢልና ተስፋ ቘሪጽና ኔርና። ቀትሪ እቲ ቝሪ ንኡሽተይ ይቕንስ እዩ።
”እዚ ዅሉ ተጻዊርና ከይንሓልፍ ድማ ኣብ ዶብ ዘለዉ ወተሃደራት ዩክረይን ቀዳምነት ንዩክሬናውያን እዩ ኢሎም ከልኪሎምና። ዝነበረ ኣማረጺ ደው ኢልካ ምጽባይ እዩ። ንልዕሊ 14 ሰዓታት ተጸቢና። ንደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ቀዳምነት ይወሃብ ተባሂሉ’ኳ ንዩክሬናውያን እምበር ናዓና ቍሊሕ ኢሉ ዝረኣየና ኣይነበረን።”
ኣብቲ ብሰብ ዝተጨናነቐ ዶብ ዩክረይንን ፖላንድን ጾታዊ ትንኮያ ይበጽሐን ከምዝነበረ ትዕግስቲ ትገልጽ።
“ብበዝሒ ደው ምባል፡ ደው ዝበልናሉ መሬት’ኳ ኣይንፈልጦን። ኣብ ርእሲኡ ኣነን ኣዋልድ መሓዙተይን ካብ ቅድሚትን ድሕሪትን ጾታዊ ትንኮያ ይበጽሐና ነይሩ።
“ከም መጠን ጓልኣንስተይቲ እቲ ኵነታት ከቢድ ነይሩ። ብተወሳኺ ጸሊም ከምሰብ ዘይቑጸረሉ ከባቢ እዩ፣ ቆርበትካ ጸሊም እንተኾይኑ ዋጋ የብልካን።”
ኣብ መወዳእታ ዶብ ክሰግሩ ዝተኣከቡ ኣፍሪቃውያን ዓመጽ ኣልዒሎም፤ ብውሑድ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ኣስግሩልና ኢሎም ነቶም ሓለውቲ ተማሕጺኖምዎም።
”እንተነኣሰ እተን ደቂ ኣንስትዮ ይሕለፋ ምስተባህለ ኢና ሓጹር ዘሊልና ዝወጻእና። ድሕሪ መዓልቲታት ናብ ፖላንድ ምስ ኣተና ኢና እፎይ ኢልና።”
ፖላንድ
ትዕግስቲን መሓዙታን ናብ ፖላንድ ምስኣተው፡ ናብቲ ካብ ዩክረይን ዝመጹ ሰባት ዝእከቡሉ ኣብ ርእሰ ከተማ ዋርሶ ዝርከብ ማእከላይ መደበር ባቡር ኣምሪሖም።
“ካብ ዩክረይን ከም ዝመጻእና ዝነግር ማሕተም ምስተገበረልና፡ ሓንቲ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንዜጋታታ ናብ ዘዳለወቶ ኣውቶብስ፡ ኢትዮጵያውያን ኢና ተማልኡና ምስበልናዮም ኣሳፊሮም ወሲዶምና። ኣብኡ ኵሉ ነገር ብነጻ ተዳልዩ ጸኒሑና። ዝብላዕን ዘስተን ረኺብና።”
ትዕግስቲ ንፖላንዳውያን ኣመስጊና ኣይትጸግቦምን።
”ዶብ ምስ ሰገርና ዝረኸቡና ፖሊስ (ፖላንድ) ጸሊም ጻዕዳ ኣይብሉን፣ ንዅሉ እዮም ዝሕግዙ። ናብ ከተማ ምስኣተና’ውን ተኸናኺኖምና።”
ናብ ፖላንድ ምስኣተዉ ንኽልተ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ተማሃሮ ኣብ ዝነበርዎ ቦታ ኣዕሪፎም።
ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ምስኦም ካብ ኪቭ ዝመጸ ካሜሩናዊ ኣብ ፖላንዳውያን ኣዝማዱ ሓዲሮም ናብ ጀርመን ክቕጽሉ ሓሳብ ስለዘቕረበሎም ሓቢሮም ከዱ።
”እቶም ፖላንዳውያን ለዋሃት ነይሮም። ከም ኢትጵያዊት ኣደ ምዕጉርትኻ፡ ግንባርካ ስዒማ ምግቢ ቋጺራ እትሰኒ ፈረንጂ ርእየ ኣይፈልጥን። ለይቲ ሰዓት ትሸዓተ ተሲኦም ናብ ባቡር ጣብያ ኣብጺሖምና። ከም ኣቦን ኣደን ሓቚፎም ስዒሞም ኣፋንዮምና።”
ዓሌታውነት
ትዕግስቲ፡ ኣብቲ ግዜ ኲናት ኣብ ዶብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ግዜ ሰላም’ውን ኣብ ዩክረይን ዓይኑ ዘፍጠጠ ዓሌታውነት ከምዘሎ እያ እትዝክር።
”ብቋንቋ ኣይትረዳዳእን። ዝኾነ ነገር እንተጋጢምካ ዝበጽሐልካ የለን። ኣብ ዩክረይን ድሕነት ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን። ኣነኳ ብርህ ዝበልኩ ስለዝዀንኩ ህንዳዊት ወይ ኮሎምቢያት እየ ዝመስሎም። ዘይሩ ዘይሩ ካልእ ዜጋ ግን ካልእ ዜጋ እዩ።”
ቀጺላ፡ “ጸሊም እንተዄንካ ከም ዋዛ ሞይትካ ክትርከብ ትኽእል ኢኻ። ዝሓቶም ሰብ የለን፣ መሰል የብልካን። ኣብ ሱፐር ማርኬት ኣቲኻ ‘ማንኪ፡ ማንኪ’ (ህበይ) ኢሎም ዝጻረፉ ኣለዉ። ከምኡ ኮይኑ ግን ንነብር ኔርና. . .ከቢድ ሃገር እዩ፡” ትብል።
ትዕግስቲ ኣብ ዶብ ፖላንድ ዘጋጠማ ጾታዊ ትንኮያን ምፍርራሕን ካብ ኣእምሮኣ ኣይወጽአን። ኣብቲ ዶብ ዝነበሩ ትካላት ረድኤት’ውን ነቶም ጸለምቲ ንምሕጋዝ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን፡ ትብል።
ፍራንክፈርት
ትዕግስቲ ቤተሰባ ሐዚውን መቐለ እዮም ዘለዉ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ኣዝማድ ኣለዉዋ። ኣብ መንገዳ ዝነበረ ኵነታት ንሓፍታ ተፍልጣ ነይራ።
“ቤተሰብ ምሽቓሉ ኣይተርፍን፣ ይትረፍ ኣብ ከምዚ ኵነታት ኴንካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣሰላ’ኳ እናኸድካ ቤተሰብ ይጭነቕ እዩ። ናይ ኣቦይ ጭንቀት የሻቕለኒ ነይሩ፣ ኣቦይ ብጣዕሚ እየ ዝፈትዎ። ብህይወት ዘለኹ ኣይመሰሎን ነይሩ። ከም ሓዘንተኛ ተታሒዙ ነይሩ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን።”
ትዕግስትን መሓዛኣን ኣብዚ እዋን ኣብ ፍራንክፈርት ምስ ዘመድ ኣዕሪፈን ኣለዋ። ናብ ጀርመን ምእታው ከቢድ ከምዘይነበረ እያ እትገልጽ።
ናብ ፖላንድ ምስ ኣተዋ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጀርመን ተሓባቢርወን እዩ።
ትዕግስቲ ንቐጻሊ እንታይ ከምዝጽበያ ኣይትፈልጥን። ንግዚኡ መንግስቲ ጀርመን ካብ ዩክረይን ንዝመጹ ተቐቢሉ የተኣናግድ ኣሎ።
“ነዊሕ መንገዲ መጺእና ኣለና። ብዙሕ ነገር ርኢና ኢና። ካብ ገዛ ሓንቲ ቕያር ክዳን ሒዝና ኢና መጺእና። ሐዚ’ውን እግዚኣብሄር ይፈልጥ ኢልና ብተስፋ ንጽበ ኣለና። ያው ከም ሰብ ዝሓሸ ነገር ትድሊ ኢኻ።”
ትዕግስቲ ሓደ ነገር ግን ከይርሳዕ ትብል፡፡
“ናተይ ስለዝሰማዕካ እምበር ኣሕዋተይን ኣሓተይን’ውን ነዚ ኣሕሊፎም እዮም።”
“ንሕና ዝረአናዮ ማንም ክርእዮ ኣይደልን፣ ንማንም ኣይምነየሉን። ኣብ መንገዲ ዝረኣናዮም ህጻናት፡ ኣዴታት. . . ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝን። ሓደ ሓደ ግዜ ብቓላት ዘይትገልጾ ብንብዓት ኢኻ ትገልጾ፡” ትብል።
ትዕግስቲ፡ ሰላም’ውን እንተኾነ ናብ ዩክረይን ክትምለስ ኣይትደልይን።
“ሃገር ሰላም እንተዝኸውን ናብ ቤተሰበይ ምምላስ እየ ዝደሊ፡” ትብል።