ፌስቡክ፣ ዋትሳፕን ኢንስታግራምን ንሰዓታት ዝተቛረጹሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ?
ትማሊ ኣገልግሎታት ማሕበራዊ ሚድያ ፌስቡክ፣ ዋትሳፕን ኢንስታግራምን ንኣስታት 6 ሰዓታት ድሕሪ ምቁራጾም ናብ ኣገልግሎት ከም ዝተመለሱ ኩባንያ ፌስቡክ ኣፍሊጡ።
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
5 ጥቅምቲ 2021
ኩሎም ኣገልግሎታት ብኩባንያ ፌስቡክ ዝውነኑ ኮይኖም ትማሊ ዓማዊሎም ኣብ ዌብሳይት ኮነ ብናይ ሞባይል መተግበሪታት ክጥቀሙ ኣይክኣሉን ነይሮም።
ኣብቲ ምቁራጽ ኣገልግሎት ብዝተገበረ መርመራ ከምዚ ዝበለ ኣዝዩ ሰፊሕ ምቁራጽ ኣገልግሎት ተራእዩ ከም ዘይፈልጥ ተረጋጊጹ።
ብደረጃ ዓለም ምስቲ ጸገም ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 10.6 ሚልዮን ጥርዓናት’ዮም ቀሪቦም።
ካብ ትማሊ ኣጋምሸት ከባቢ ሰዓት 01፡00 [07፡00] ዝጀመረ እቲ ምቁራጽ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ቀጺሉ ነይሩ።
እቲ መንቀሊ እንታይ ይኸውን?
ፌስቡክ ነቲ ዘጋጠመ ምቁራጽ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰለስቲኦም ኣገልግሎታት ማሕበራዊ መራኸቢ ዝጠፍኡሉ ምኽንያት ብግጉይ ለውጢ ኣሰራርዓ ወይ ኣቃውማ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ዝተፈጠረ ግጉይ ለውጢ ኣሰራርዓ ድማ ኣብ ናውቲ ኢንተርኔትን ስርዓታትን እቲ ኩባንያ ጽልዋ ከም ዘሕደረ ገሊጹ።
እዚ ኩነታት ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝተገበረ ጻዕሪ ክተሓላለኽ ገይሩ ኢሉ።
ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ምቁራጽ ኣገልግሎት “ኣብ ናይ ተጠቀምቲ ዳታ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ዘመልክት መረዳእታ ከም ዘየለ” እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ።
ካልኦት ብፌስቡክ ኣቲኻ ክርከቡ ዝኽእሉ መተግበሪታት እውን በቲ ምቁራጽ ኣገልግሎት ከም ዝተጸለዉ ተፈሊጡ’ሎ።
ንኽንድዚ ሰዓታት ዝኣክል ምቁራጽ ብዙሕ ዘይተለመደ ክኸውን እንከሎ ኣብ 2019 ብዘጋጠመ ምቁራጽ ግን ፌስቡክን ካልኦት መተግበሪታቱን ኣብ መላእ ዓለም ን14 ሰዓታት ጠፊኦም ነይሮም።
ድሕሪ ክሲ ዘጋጠመ ምቁራጽ
እቲ ናይ ትማሊ ምቁራጽ ኣገልግሎት፡ ሓንቲ ሰራሕተኛ ኩባንያ ፌስቡክ ዝነበረት ውልቀሰብ ቃለ-መሕትት ድሕሪ ምሃባ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ዘጋጠመ ነይሩ።
ፍራንሰስ ሃውገን ብዛዕባ እቲ ኩባንያ ምስጢራት ዘውጽኡ ሰነዳት ክቃልዑ ዝገበረት ኮይና ምስ ‘ሲቢኤስ’ ዝተባህለ መደበር ቴሌቪዥን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መሕትት ፌስቡክ ካብ “ድሕነት ንዕብየቱ” ከም ዘቐድም ገሊጻ።
ሎሚ ሰሉስ “ንህጻናት ካብ ኦንላይን ምሕላው” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝዳሎ መድረኽ ኣብ ቅድሚ ንኡስኮሚቴ ሰኔት ቀሪባ ምስክርነት ክትህብ ትጽቢት ይግበር።
ኣብቲ መድረኽ፡ ኢንስታግራም ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ነኣሽቱ ተጠቀምቲ ዘኸትሎ ጽልዋ መሰረት ገይሩ በቲ ኩብንያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝቐርብ ተፈሊጡ’ሎ።