ኢትዮጵያውያን ዕርቅን ሰላምን ከስፍኑ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ጸዊዖም
ኣብቲ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝሳለጥ ዘሎ ጽምብል በዓል ሽመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተረኸቡ መራሕቲ ዝፈላለያ ሃገራት መልእኽቲ ኣሕሊፎም ኣለዉ፡፡
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
4 ጥቅምቲ 2021
ካብቶም መልእኽቲ ዘሕለፉ መራሕቲ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን እንቋዕ ደስ በለኩም ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዩጋንዳ ኣፈላላይ ዓሌትን ሃይማኖትን ከቢድ ጸገም ከምዝፈጠረ ብምሕባር መንነት መሰረት ዝገበረ ፖለቲካ ዝፈጥሮ ፍልልያት ምቕራፍ ናብ ለውጢ ጎደና ከምዘሳግር ገሊጹ፡፡
ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት ብወገኑ “ፍልልያት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ኣለዎ” ድሕሪ ምባል፡ ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዘጋጠሞ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከጋጥሞ ከምዘይደሊ ተዛሪቡ።
ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ሰላም ክወርድ ዝገበረቶ ጻዕሪ እውን ንኢዱ።
ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ጊሌ ብተመሳሳሊ ደሞክራስያዊ ስግግር ኢትዮጵያ ምርኣየይ ኣሐጒሱኒ ኢሉ።
ኢትዮጵያ ተምሳሌት ‘ፓንኣፍሪቃኒዝም’ ብምባል ዝነኣደ እቲ መራሒ፡ ኣብቲ ዞባ ኲናት ዘውረዶ ዕንወት ብምጥቃስ “ኢትዮጵያ ምስ ባዕላ ሰላም ክተውርድ፡ ዝጸንሐ ሓይላ ደጊማ ክተሕድስን” ሓቲቱ፡፡
ፕረዚደንት ኬንያ ኡህሩ ኬንያታ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ድማ፡ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ አሕመድ እንቋዕ ደስ በለካ ድሕሪ ምባል ኬንያ ሰላምን ዕብየትን ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ድሉውቲ ምዃና ተዛሪቡ፡፡
“ሓወይ! ሎሚ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክትመርሕ፣ ሰላም ከተምጽእ፣ ርግኣት ከተምጽእ ፣ ንኢትዮጵያ ሓደ ክትገብር ሓላፍነት ሂቦምኻ ኣለዉ። ዝመረጹኻን ዘይመረጹኻን ናትካ ህዝቢ እዮም” ብምባል ዝተውሃቦ ሓላፍነት ብግቡእ ክዋጻእ ሓቲቱ።
ኢትዮጵያ ‘‘ኣዴና እያ’’ ክብል ዝተዛረበ ኡህሩ፡ ‘‘ኣደ ሰላማ እንተስኢና ኩሉ ቤተሰብ እዩ ዝህወኽ’’ ብምባል አታ ሃገር ናብ ሰላም ክትምለስ መልእክቲ ኣመሓላሊፉ፡፡
ኣብ ኢትዮጵየ ሰላም ክሰፍን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመደ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ዝሓበረ ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓመዱ ቡሃሪ ብግዲኡ ናይጄርያ ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ከምእትድግፍ ተዛሪቡ፡፡
ኣብቲ በዓል ሽመት መልእክቲ ዘሕለፈ ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ እውን ኢትዮጵያውያን ድልየትና የማልአልና እዩ እትብልዎ መራሒ ብምምራጽኩምም እንቋዕ ኣሐጎሰኩም ኢሉ፡፡
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሓዊሱ እታ ሃገር ዘጋጠምዋ ፈተናታት ንምፍታሕ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ሓላፍነቱ ክዋጻእ እውን ጸዊዑ፡፡