“ናይዚ ኣዕናዊ ኩናት ሕብእ ኣጀንዳ ልዕላውነት ኤሪትራ ምጥፋእን ነቲ ብ 1991 ዝተሳዕረ ናይ ኣምሓራ መስፍናዊ ስርዓት ምምላስን እዩ።” – ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ
ፍልፍል፡ አሰና ቲቪ
ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ
ኣብዚ ጊዜ እዚ ኤርትራ ኣብ ዘይምልከታ ኣዕናዊ ሕድ ሕድ ኩናት ኢትዮጵያ ኣትያ ከም ሀገር ትሃሉዶ ወይስ ኣይትሃሉ ኣብ ዝበሃለሉ ቀራኒ መንገዲ ትርከብ። ኢሳያስን ኣቢይን እንተሲዕሮም ልዑላውነት ኤርትራ ድሓን ኩኒ። ትግራይ እንተሲዒራ ግን ሎኡላውነት ኤሪትራ ክዕቀብ እዩ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተገብረ ወራር ብናይ ኢትዮጵያ ምክልኻል ሰራዊት፥ ፥ናይ ኤሪትራ ሰራዊት ፥ናይ ኣምሓር ሚሊሽያ ፥ ናይ ሶማል ሰራዊት፡ ብተወሳኺ ናይ ኢሚረትስ ድሮናት ነቲ ናይ ወያነ ዓበይቲ ኣጽዋራት ዘዕነዋ እዩ ተኻይዱ። ኣቢይን ኢሳያስን ነዚ ዓረምሾሻዊ ሐይልታት ሒዞም ኣብ ቑሩብ መዓልታት ብዓወት ክዛዝምዎ መደብ ምግባሮም ዘገረም ኣይኮነን። እቲ ዘገረም ግን ከመይ ገይሮም ወያነን ህዝቢ ትግራይን ከም ማይን ጸባን ተዋሂሂዶም ነዚ ዘርኢ ትግራይ ንምጥፋእ ተሃንዲዱ ዝመጸ ገዚፍ ሐይሊ ኣፍሽለሞ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ህላውነት ትግራይ ተረጋጊጹ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ኩናት ናብ መሬት ኣምሓራን ኣፋርን ተሰጋጊሩ ኣሎ። እቲ ኩናት ተውዲኡ ማልት ግን ኣይኮነን። ነቶም ክልኦት ዉጹዓት ህዝብታት ከም ኦሮሞ ኣገው ቅማንት በንሻንጉል ሲዳማ ቃልስታት ፍናን ኮይንዎም ቓልሶም ብዝለዓለ ደረጃ የሰላስልዎ ኣለዉ። ናይ ውጹዓት ኣህዛብ መትክላዊ ሐድነት ተረጋጊጹ እዩ።
እዚ ወራር ንህዝቢ ትግራይ ሞትን ስደትን ዕንወትን ኣኸቲሉ ኣደዳ ጥምየት ገይርዎ እዩ። ኣብይን ኢሳያስን ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍጺሞም ዝብል ክስታት ኣብ ሪእሲኦም ተንጠልጢሉ ኣሎ። ብኸመይን መኣስን ከምዝኽሰሱ ግን ጊዜ ዝውስኖ እዩ። ምስ ውጺኢት ናይዚ ኩናት ዝተኣሳሰረ እዩ።
ኩናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ መን እዩ ጀሚርዎ ዝብል አከራኻሪ እኳ እንተኮነ ምኽንያቱ ግን ብሩህ እዩ። ኣቢይ ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ፈደራልያዊ ስርዓት ኣፍሪሱ ብናቱ ውድብ ብልጽግና እትምራሕ ኣሃዳዊት (መስፍናዊት) ስርዓት ክሃንጽ ድልየት ስለዘለዎ እሞ ወያነ ዕንቅፋት ከምዝኾኑዎ ተረዲኡ ንዖኦም ምጥፋእን ንዓታቶም ዝወለደት ትግራወይቲ ማህጸን ምምካንን ዝተበገሰ ኢሰብኣዊ ኩናት እዩ። ናይ ኢሳያስ ምትእትታው ከኣ ናይቲ ናይ 1998 ትርጉም ዘይብሉ ኢትዮ-ኤሪትራ ኩናት ሕነ ምፍዳይ ብሓደ ወገን በቲ ካልእ ድማ ትግራይ መተሓላላፊ (buffer zone) ካብ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ስለዝኾነት እቲ ንኤርትራ ልዕላውነታ ኣፍሪስካ ምስ ኢትዮጵያ ምጽንባር መደቡ ከምቲ ዝደልዮ ክኸይድ ስለዘይከኣል እዩ። እቲ ቀንዲ ሕቡእ ኣጀንዳ ግን ሊሂቃን ኣምሓራ (ብፍላይ ተረፍ መረፍ ናይ ደርግን ንጉስ ሀይለ ስላሴን) ናይ ኢሳያስን ኣቢይን ህርፋን ስልጣን መዝሚዞም ነቲ ብ1991 ዝተሳዕረ ጭቋኒ መስፍናዊ ስርዓት ኣምሓራ ምምላስ እዩ። ከም ዝፍለጥ ኣምሓራ ንናጽነት ኤርትራ ኣትይተቀቦልዎን ጥራሕ ዘይኮነ ብወግዒ ኣብ ናቶም ማኒፈስቶ እውን ኣስፊሮሞ እዮም። መሊሶም ክገብጥዋ ኩሉጊዜ ምቹእ ጊዜ እናተጸበዩ እዮም። ሕጂ ግን ኢሳያስ (ኤሱ) ኣብ ብሩራዊ መብልዕ ቁርሲ ገይሩ እንሃቱልኩም ይብሎም ኣሎ።
ከምቲ ጋዜጠኛ ተኣምራት ነገራ ዝበሎ “ትግራይ ጥራሕ ነጥፈኣያ እምበር ዕድመ ንኢሳያስ ንኤርትራ ኣድኪሙልና ስለዘሎ መወጽ እናመወጽና ክንሕዛ ቀሊል እዩ”። እዚ ዘብረሃልና ንኤሪትራ ክገብጡ ትግራይ ዕንቅፋት ኮይናቶም ኣላ። ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ትግራይ ንሂዎቶም ክብሉ ናይ ኤሪትራ ልዑላውነት ዋልታ ኮይኖም ኣለዉ። እዚ ግን ብዙሓት ኤሪትራውያን ዋላ እውን ደለይቲ ፍትሒ ብፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ተጸልዮም ክርድእዎ ኣይከኣሉን።
ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ኤሪትራ ኣብቲ ሃልሃል ዝብል ዘሎ ኩናት ንህዝቢ ትግራይ ዝከኣሎም ዲፕሎማስያውን ፋይናንስያውን ሓገዝ ይገብርሎም ኣለዎ። እዚ ካብ ሰብኣዊነት ሕልና ዝተበገሰ ኮይኑ ዓወት ትግራይ ዓወት ውጹዕ ህዝቢ ኤሪትራ ስለዝኾነ እውን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ምስ ጎረቤትና ዝኾነ ሓውና ህዝቢ ትግራይ ሰላም እምበር ጽልኢ ኣየዋጽእን እዩ። ነቲ ወራር ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣውሪዱዎ ዘሎ ከቢድ ጽልኢ ካብ ሕጂ ናይ ሰላምን ምትሕልላይን ዘርኢ ዘሪእካ ምሕዋዩ ኣድላዩ እዩ። እቲ ዞባና ሰላም ሰፊንዎ ኣብ ማሕበራውን ኤኮኖሚያዋን ምዕባለ ከድህብ መታን። ሰላም ክነግስ ኩናት ደው ክብል ሰራዊት ኤሪትራ ንዓዱ ክምለስ ኢሪትራውያን ምስ ተጋሩ ኮይኖም ሰላማዊ ሰልፍታት የካይዱ ኣለዉ። እዚ እውን ዘርኢ ሰላም ምዝራእ እዩ። ሰራዊት ኤሪትራ የዔርዩ ከይጸነተ ካብ ኩናት ክወጽእ ኣለዎ።
ገሊኦም ደለይቲ ፍትሒ ኢና ዝብሉ ኤርትራውያን ነዚ ሓቂ ጎስዮም ንህዝቢ ትግራይን ኤሪትራን ከቀያይሙ ኣንጻር ወያነ ቀጻሊ ዘመተ የካይዱ ኣለዉ። እዚ ናይ ፖለቲካ ዕንደራ እዩ። ህዝቢ ኤሪትራ ሓደ ዕድል ተኺሲትሉ ኣሎ ክንጥቀመሉ ኣለና። ብእንግሊዝ “Seize the moment” ይብሉዎ። እዚ ዕድለ እዚ ክምዝመዝ ዝግበኦ እዩ። እዚ ኩናት ንኢሳያስ መጥፊኢኡ ክኸውን ዓቢ ተኽእሎ ስለዘሎ።
እቶም ንወያነ ብቀጻሊ ናይ ጽልኢ ዘመተ ዘካይዱ ሓንቲ ምኽኒት ዝገብሩላ “ንሕና ኣንጻር ወያነ እምበር እቲ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ዝኣመሰለ ሰብ ዘኽበር ህዝቢ እዩ፤ ምስኡ ጽልኢ የብልናን” ይብሉ። ንወያነ ጸሊኦም ምስ ህዝቢ ትግራይ ፍቅሪ ክህልዎም ኣይክእልን እዩ። እዚኣ ሸፈጥ እያ። ከምቲ ዋና ጸሓፊ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ዝበሎ “ህዝቢ ትግራይን ወያነን ሐቢሮም ኩናት የካይዱ ስለዘለዉ እዚ ኩናት ህዝባዊ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ክሳዓሩ ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ” ይብል። ብናቱ ገምጋም እዚ ኣዕናዊ ኩናት ብሰላም ብዝርርብ ክደምደም ኣለዎ። ሓላፍነት ዝመልኦ ናይ ሰላምን ዕርቅን ዘረባ። እቲ ዝበዝሔ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ከም ናይ ኣንተኒዮ መርገጺ እዩ ዘለዎ። በንጻሩ ብጽልኢ ወያነ/ትግራይ ዝዘቅበቡን ኣብ ሕሉፍ ዝነብሩን ብሕልፊ ብ1981 ወያነ ምስ ሻዕቢያ ከይና ካብ ኤርትራ ኣውጺኣትና ዝብሉ ውልቃውያን ኣካል ደለይቲ ፍትሒ ብዛዕባ ትግራይ እንታይ ገደሰና ጉዳይና ዘይንገብር ኢሎም ነቲ ደላይ ፍትሒ ኣብ 2 ከፋፊሎሞ ኣለዉ። ገሊኦም እውን በቲ ዋጋ ዘይብሉ ናይ ኣግኣዝያን ዘመተ ሕብረት ተዛረብቲ ትግርኛ ዝባህረሩ እዮም። ኤሪትራ ብኤሪትራውያን ጥራሕ እናበሉ ነቲ ኣብ ዓዲ ፍኒሕነሕ ዝብል ዘሎ የደናግርዎ ኣለዉ። እዞም ኣብ ደገ ዘለዎ ናይ ኣፍ ጥራሕ ኢዮም ዝበል ምግሩምራም ካብቶ ኣብ ዓዲ ይስማዕ ኣሎ። ብዘይ ሓገዝ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና እንታይ ክገበር ይድለ። ክገበር ዝኽእል እንተዝኸውን 20 ዓመት ኣብ ጸልማት ኣይምነበረን። ኣብ ሙሉእ ዓለም ንዝኽሪ 20 ዓመት ናይ ሕልና እሱራት ኣብ 18 መስከርም 2001 ዝተኣስሩ ሰበ ስልጣን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታን ክትዝከር ከለኻ ክሳብ ክንደይ ናይ ምብዳህ ሕሊናና ወዲቁ ከምዘሎ ይርድኣካ። ናይዚኦም ሓጸር ዛንታታት ዘለዎ ስእላዊ ምራኢት ኣብ ሎንደን ዝተዓዘበ ሰብ ክሳራ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ምዃኑ ይርዳእ። ከም ኣብነት ስእሊ ጀነራል ዕቅበ እነሆ።
ኣብ ዲስፖራ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ከበርከት እንተኮይኑ ኣብቲ ክገብሮ ዝኽእል ግን ዘይገብሮ ዘሎ ከተኩር ምተገበኤ፤ ነንሕድሕዱ ክባላዕ ጊዜኡ ብኸንቱ ከየጥፍኤ። እዚ ኩሉ ሂወት ሰራዊትና ኣብ ኢትዮጵያ እናጠፍኤ ከሎ ጉዳይና ንግበር ማለት እንታይ ማለት እዩ። ደቆም ሓቂፎም ነቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ደቁ ከም ቆጽሊ እናረገፉ ሪዒዱን ተንበርኪኹን መዓንጣኡ ሓቂፉ ዘሎ ህዝቢ ንኢሳያስ ብዘይ ናይ ደገ ሓገዝ ከልግሱዎ ክምድሩ ከለው ናይ ሞራል መሰል የብሎምን። እምበር ዶ ብስነ ልቦና ዝተሃንጹ እዮም ዘብል እዩ። መእሰያትና ይጸንቱ ሃገርና ድማ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ክትመሓደር ኤሱ ፈሪድዋ ኣሎ። ስለዚ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ኩናትን ብዘየወላውል ጉዳይና እዩ። እት ዝዓበየ ዋጋ ዘኽፍለና ዘሎ እምበር። ምጾታት እዩ።
ኣብቲ ብኣደ መንበር ዶክቶር ከውሰር ኣብደልቃደር ምስ ዶክተር ኢብራሂም ሱራጅን መምህር ናስር ዓሊን ዝነበረ ዘተ ዶክተር ኢብራሂም ነቶም ምስ ትግራይ ንተሓባበር ዝብሉ ናይ ወያነ ዑሱባት ኢዮም ኣብ ዝብለሉ ደረኛ በጺሑ። ቁጽሮም ንምቁንጻብ ካብ 10 ወይ 20 ኣይበዝሑን ይብል። መብዝሕትኦም ወነንቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣኢዮም ይብል። ዘኤንግዶም ከኣ ኤይ ኤይ ኤን መዲያ (aan Media Network) ዝብሃል ብቀጻሊ ዘይተኣደነ ናይ ጽልኢ ዘመተ ኣንጻር ወያነ ዘካይድ መራኸቢ ብዙሓን እዩ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንረብሓ ኢሳያስን ኣቢይን ዝሰርሕ ዘሎ መዲያ እዩ። ኣብ ዲያስፖራ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ክንዲ ሓቢሮም ዝሰርሑ ኣብ ክልተ ዘይተዓረቅ መርገጺታት በጺሖም ኣለዉ። ንሳቶም ጥራሕ ኣይኮኑን ካልኦት ኣብ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤሪትራን ልዑል ቦታ ዝነበሮም እውን ምስ ወያነ ምስራሕ ተቋውሞታት ኣስሚዖም እዮም። ዝምድነኦም ምስቲ ምስ ወያነ ምትሕግጋዝ ዝኣምን መንእሰይ ኤርትራ ከመይ ክኸውን እዩ ቀሊል ሕቶ ኣይኮነን። ብዝኾነ ኩናት ናቱ ሕግታት ኣለዎ። እታ ናይ ኣሸናፊ ዋንጫ ዝዓትራ ኣይፍለጥን እዩ። ኣብ ዲስፖራ ዘለና ኣብ ውጻኢት እቲ ኩናት ተራ የብልናን። ከም ኤሪትራውያን ንሰላምን ፍትሕን ምቅላስ ጉቡእና ስለዝኾነ ደኺመ ከይበልና ምስ እንሰርሓሉ ዓቢ ዓውትን ሐልዮት ዝብናን እዩ። ዓለም ከኣ ብሕልፊ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳን መርገጺና ነብርሃሎም።
ባይቶ ይእክል ሕ/መ/ኣ ኣብቲ ተጋሩ ዘካይድዎ ዓቢ ሰልፊ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ክህቡ ከለዉ መርገጺኦም ምትሕብባርን ምድንጋጽን ምስ ሕዝቢ ትግራይ ምዃኑ ኣብሪሆም እዮም። ምስ ኣንጻር ወያነ ዝኸይድ ዘመተ ኣይቃዶን እዩ። እዚ ናይ ኤርትራውያን 2 ኣረኣእያታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘይተዓረቅ መሰረታዊ ፍልልይ ስለዝኾነ እቲ ዝሓሸ መመገድኻ ምኻድ እዩ። ከምኡ እንተኾይኑ ነቲ እምነትካን መርገጺኻን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከተእትዎ ኣይትግደድን ኢኻ። ምክብባር ግን ናይ ግደን ክኸወን ኣለዎ። ክሳብ ሕጂ ሓደ ብሲቪላውን ፖለቲካውን ማሕበራት ዝቖመ መሪሕነት ኣድላይ ተባሂሉ ብዙሕ ኣኼባታት ተኻይዱ ክሳብ ሕጂ ግን ፍረ ኣየምጸኤን። የግዳስ ኣብዚ ተኣፋፊ ግዜ ነንሕድሕድና ክንቋየቕ ጊዜና ብኸንቱ ነጥፋኦ ኣለና። ድሮ ናይ ትግራይ ምኽልኻል ሰራዊት ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ምስተን ብረት ኣልዒለን ዘለዋ ጭቁናት ብሄራት ከም እኒ ኦሮሞ፣ ኣገው፣ ቂማንት፣ ቤንሻንጉልን ካልኦትን ምትሕብባር ጀሚሩ ኣሎ። ህግደፍ ግን ነቲ ኣብ ጊዜ ቃልሲ ዝነበረና ናይ ውጽዓት ሐድነት መትከል ረሲዑ ኣንጻር ውጹዓት ኣህዛብ ኢትዮጵያ ብዋጋ ሂወት መንእሰያትና ይዋጋእ ኣሎ። ወይ ሕማቅ ዘመን። ኢሳያስ ንሰራዊት ኤርትራ ክዋጓኡ ናብ ጎንደርን ዓፋርን ሊኢኹዎም ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሪዒዱ ርእሱ ኣድኒኑ ደቁ ኣብ ሓዊ ክጥጠቁ ከለዎ ትም ኢሉ ይዕዘብ። ድሮ ሓደ ጉጅለ ኮማንዶ ኤርትራ ተደምሲሱ ይበሃል። ገለ ቁሩብ ኤሪትራውያን እውን ብናይ ኣምሓር ፋኖ ዝተቀትሉ ኣለዉ ዝብል ዜና ይዝርጋሕ ኣሎ። እቲ ናህና ሕመቅ ግን ብኢሳያስ ዝፍጸም ዘሎ ምጽናት ወዲ ሰብ ኤሪትራውያንን ተጋሩን ክኹነን ከምዘለዎ ቀጻሊ ጎስጓስ ኣብ ክንዲ ንገበር ሓድሽ ዛዕባታት እናከፈትና መፍቶ ህግደፍ ንኸውን ኣለና።
ሕውነትን ሓድነትን ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ንዘልኣለም ይንበር!!
ስዕረትን ሞትን ንጻሕተርቲ ኩናትን ዓመጽን!!
ዓወት ንፍትሓዊ ቓልስና
ባይቶ ይኣክል ሕ/መ/ኣ
09/08/2021
ባይቶ ይኣክል ቁኑዕ መርገጺ ወሲዶም ኣለዉ። ምስቲ ናይ ሓባር መርገጺ ዘለዎም ማሕበራት ደለይቲ ፍትሒ ኮይኑ ናይ ሓባር መሪሕነት ክሰናዱ ይኽእል እዩ። ህዝቢ ግብሪ ሪኡ እዩ ዝዓስል። በቲ ሓደ ሸነኽ ነዚ ኣንጸላልይና ዘሎ ምኽሳር ልዑላውነትና ምስ ወያነ ኮይና ሃገርና ነድሕን ዝብሉ መንእሰያት ይወዳደቡ ኣለዉ። እቶም ናይ ሓባር መርገጺ ዝውንኑ ሰሚሮም ትግራይ መንጠሪ ባይታ ገይሮም ምስቲ ኣብ ዓዲ ክንቀሳቀስ ዝረኤ ዘሎ ውፉይ ብዝተፋላለየ መገዲ ርክባት ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ናይ ጽላኢ ዘመተ እንገበርካ ግን ኣይከውንን እዩ፤ ሓደገጃ እውን እዩ።
ይቅጽል
እዚ ኣዕናዊ ሰነ-ሓስብ ናይ ኣምሓራ ሊሂቃን ምርዳእን ምፍላጡን ኣብ ናይ ቀረባን ርሕቁን መደብ ምውጻእ ይሕግዝ እዩ።