ቅልውላው ትግራይ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ረድኤት ዝጽዓና መካይን ክንቀሳቐሳ ሓቲቱ
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
መስከረም 29, 2021
ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤትን ሓደጋን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊትስ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብ ትግራይ ክንቀሳቐሳ ሓቲቱ።
እቲ ሓላፊ ኣብ ትግራይ ጥምየት ጉድኣት የስዕብ ኣሎ ኢሉ ከም ዝግምት’ውን ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
ናብታ ኣብ ትሕቲ ወግዓዊ ዘይኮነ ዕግታ እትርከብ ትግራይ ክበጽሕ ካብ ዝግብኦ ቐረብ ሰብኣዊ ረድኤት 10 ሚኢታዊት ጥራሕ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ከም ዝበጽሐ ሓቢሩ።
ማርቲን ግሪፊትስ ወሲኹ፡ ሕትኡ እተን ረድኤት ዝጽዓና መካይን ንክንቀሳቐሳ ክፍቀደለን ምዃኑ ነቲ ማዕኸን ዜና ገሊጹ።
“እዚ ሰብ ሰራሕ ጥሜት’ዩ፤ መንግስቲ ብዝወስዶ ስጉምቲ ክኣ ክመሓየሽ ይኽእል” ክብል ተዛሪቡ።
ቅድሚ ዓሰርተ ኣዋርሕ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን መሪሕነት ትግራይን ብዝተላዕለ ጎንጺ ኣማኢት ኣሽሓት ከም ዝሞቱ ከምኡ’ውን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ሚሊዮናት ዜጋታት ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮም ብተደጋጋሚ ክግለጹ ጸኒሑ።
“400 ሽሕ ሰባት ዓጸቦ ኣብ ዝመስል ኩነታት ይርከቡ ክንብል ገሊጽና ነይርና፤ እዚ ግምት ረድኤት ክበጽሖም እንተዘይክኢሉ ድማ ንዓጸቦ ክቃልዑ ይኽእሉ’ዮም ዝብል’ዩ” ብምባል ከዘኻኽር እንከሎ ኣብ ትግራይ ሕጽረት ጥረ ገንዘብን ነዳድን ከምኡ’ውን ወግዓዊ ዘይኮነ ዕግታ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘሎ ገሊጹ።
ካብዚ ብዝብገስ “ከምዚ ዝበለ ነገር [ዓጸቦ] ኣጋጢሙ’ዩ ኢለ ክግምት ኣለኒ” ክብል ተዛሪቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ረድኤት ንከይበጽሕ ዝኽልክል ዕግታ ከም ዘይገበረ ብምግላጽ፡ ናብቲ ክልል ረድኤት ብቕልጡፍ ንክበጽሕ እቶም መፈተሺ ጣብያታት ካብ ሸውዓተ ናብ ክልተ ክወርዱ ከም ዝገበረ ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ መንግስቲ እተን ናብ ትግራይ ዝኣተዋ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ዘይምምላሰን ጥርጣረ ፈጢሩለይ’ዩ ብምባል ሚኒስትሪ ሰላም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ብጭቡጥ ካብ ዕላምአን ወጻእ ከም ዘይተዋፈራ መረጋገጺ ዝህብ ኣካል ኣይተረኽበን” ምባሉ ይዝከር።
መራሕቲ ትግራይ ነዚ ኣመልኪቶም ካብ መንግስትን ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያን ዝቐረበ ጥርጣረን ስክፍታን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እተን መካይን ክምለሳ ዘይከኣላ ብምኽንያት ሕጽረት ነዳድን ኣብ ከባቢ ዓፋር ኣብ ልዕሊ መራሕቲ መኪና ብዝበጽሕ ምንግልታዕን ምዃኑ ኣብሪሁ።
ብተወሳኺ ተጋሩ መራሕቲ መኪና ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ቀይዲ ዝውዓልሉ ኣጋጠዓሚ ከም ዝነበረ ኣመልኪቱ።
ኣብ ርእሲኡ መጠን እቲ ክሕዙዎ ዝኽእሉ ገንዘብ ድሩት ስለ ዝኾነን ምስ ተመለሱ’ውን ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ባንኪ ብዘይምህላዩ ገንዘብ ዘይረኽቡ ምዃኖምን ገሊጹ።
ግሪፊትስ’ውን እተን ረድኤት ጽዒነን ዝኣተዋ መካይን ዘይምምላሰን ኣብ ስራሕ ሰብኣዊ ረድኤት ማሕለኻ ከም ዝፈጠረ ብምሕባር፡ እቶም መራሕቲ ኮነ እተን መካይን “ካብ ትግራይ ክወጽእሉ ዘኽእል ነዳድን ድልየትን ዘይክህልዎም ይኽእል’ዩ። ግን ድማ ኣብ ስራሕትና ጸገም ይፈጥር ኣሎ” ክብል ተዛሪቡ።
ቤት ጽሕፈት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ 61 መካይን ካብ ትግራይ ከም ዝተመለሳን ኣብ ቀጻሊ’ውን ተወሳኺ መካይን ክወጽኣ’የን ኢሉ ትጽቢት ከም ዝገብርን ትማሊ ብትዊተር ሓቢሩ።
ብምኽንያት አቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ትግራይ 5.2 ሚሊየን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ይጽበ ኣሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝኾኑ ህጻናት ብዝገበሮ ክትትል 22.7 ሚኢታዊት ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ከም ዘጋጠሞም ኣረጋጊጹ።
ካብ 11 ሽሕ ነፍሰ ጾር ወይ’ውን ዘጥቡዋ ኣደታት ድማ እተን 70 ሚኢታዊት ንልዑል ሕጽረት መግቢ ተቓሊዐን ኣለዋ ኢሉ።
ማርቲን ግሪፊትስ ድማ እዚ ሕጽረት መግቢ ብ2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ሶማሊያ ኣጋጢሙ ምስ ዝነበረ ዓጸቦ ኣነጻጺሩዎ ኣሎ።