
እዋናዊ ዜናታት
- ሓደ ኣይሱዚ ሙሉእ ተጋሩ መናእሰይ ኣኪቦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተወሰዱ ተሓቢሩ፣
- ኣብ ምዕራብ ትግራይ ፭ ኤርትራውያን ጁንታ ተባሂሎም ተቐቲሎም፣
- ኣብ ከተማ ጎንደር ሰራዊት ሻዕብያ ፋኖን ነንባዕሎም ተቓቲሎም።
፩) ናይ ትግራይ ብልፅግና ካድረታትን ደለልትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ተጋሩ መናእሰይ ኣብ ፀገም ስለዘለኹም ናብ ቀይሕ መስቀል ተመዝገቡ እሞ ከም ስደተኛታት ናብ ካሊእ ውሑስ ቦታ ክትውሰዱ ኢኹም እንዳበሉ ይምዝግቡን ይኣስሩን ከምዘለው ሓንቲ ካብዚ ፀገም ብቁሩብ ከምዘምለጠት እትዛረብ ሓፍትና ንፍልፍል ሓበሬታና ሓቢራ። ሓደ ኣይሱዚ ምሉእ መናእሰይ ኣኪቦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወሰዱዎም ድማ ወሲኻ ገሊፃ።
ብተወሳኺ ድማ!
ኣብ አዲስ አበባ ዘለዉ ተጋሩ ንሕና ናይ ቀይሕ መስቀል ኣባላት ኢና ንዓድኹም ክንመልሰኩም ኢና ወይ ናብ ካሊእ ውሑስ ዓዲ ክነውፀኣኩም ኢና ተመዝገቡ ዝብሉዎም ዘለው ክኣስርዎም ምኻኖም ፈሊጦም ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዘለዎም እዛ ናይዓይኒ ምስክር ኣጠንቂቓ።
፪) ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ሑመራ 20 ዝኾኑ ኤርትራውያን ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሶም ብሑመራ ኣቢሎም ናብ ሱዳን ኣቲዮም ንሊብያ ክኸዱ ዝሓሰቡ ብ ፋኖን ምልሻ ኣምሓራን ተታሒዞም ካብኣቶም እቶም 5 ሰለልቲ ጁንታ ኢኹም ኢሎም ከምዝቀተሉዎም፡ እቶ 15 ድማ ኣሲሮም ከምዝሓዙዎም ደሓር ግን ናይ ሻዕብያ ክፍሊ ስለያ እቲ ጉዳይ ምስ ሰመዐ ናይቶም ዝተቀተሉ 5 ኤርትራውያን ሬሳ ሓዊሱ ምስቶም ዝተኣሰሩ 15 መንኣሰይ ናብ ኤርትራ ክኸዱ ከምዘለዎም እቲ ክፍሊ ስልያ ሻዕብያ ከምዝወሰነ ተሓቢሩ።
ፍልፍል ሓበሬታና ከምዘጠንቀቖ ተጋሩ ካብ ኣዲስ አበባ ይኹን ካብ ካሊእ ናይ ኢ/ያ ክልላት ከምኡ ብደለልቲ ተታሊሎም ብጎንደር ይኹን ብሑመራ ንሱዳን ክሰግሩ ከይፍትኑ ኣጠንቂቑ።
፫) ኣብ አዲስ ኣበብ ሓደ ሓደ ቦታታት ገዛገዛ እናኣተው ፍተሻ ምክንያት ብምግባር ልዕሊ 18 ዓመት ንዝኾኑ መንኣሰያት ይገፉ ከምዘለው ተሓቢሩ።
፬) ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ኣብ ከተማ ጎንደር ብዙሓት ሰራዊት ሻዕብያ ኣብ ዝርከብሉ ሆቴል ታየ በላይ ከባቢ ፕያሳ ምስ ሓሊ ፋኖ ከምዝተቓተሉን ካብቶም ዝተቐተሉ ብዙሓት ሰራዊት ሻዕብያ ኮነሬል ወዲ ጊንዳዕ ዝተበሃለ ሓደ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ከምዝርከቦም ተሓቢሩ።
ኣኽሱማውያን ሚድያ
መስከረም ፲፯/ ፳፻፲፬ ኣ/ኣኽሱማውያን