ትግራይ ምሁር ኣለዋ ’ዶ?
ምሁር ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ሓደ ወዲ ዓዲአቡን መንእሰይ12 ክፍሊ ወዲኡ ናይ ዩኒቨርስቲ መእተዊ ነጥቢ ረኺቡ ዩኒቨርስቲ አትዩ። ሓደ ዓመት ምስተምሃረ ክረምቲ ንዕረፍቲ ናብ ዓዲአቡን ይምለስ። ሓደ መዓልቲ አብ ቁልቁለት ቦታ ሳይክል እናዘወረ እናሃለወ ናይታ ሳይክል ፍሬን ከምዘይሰርሕ ምስፈለጠ ኣታ ሙሁርየ ሞተ… ሙሁርየ ሞተ እናበለ ዓው ኢሉ ተዳመጸ ይበሃል።
እሞ ሙሁር ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ዲግሪ ዘለዎ?ኣይኮነን። ማስተርስ ዲግሪ ዘለዎ? ኣይኮነን። ዶክትሬት ዲግሪ ዘለዎ ኣይኮነን? እዚኣቶም ሙሁራት እንተዘይተባሂሎም ደኣ እንታይ ይበሃሉ?እዚኣቶም ሙሁራት እንተይኮኑ ዝበሃሉስ መጽሓፍ ኣጽኒዖም ፈተና ተፈቲኖም ዝሓለፉን እቲ ዘጽንዕዎ መጻሕፍቲ ከምዝተረደኦምን ሙሁር ናይ ምዃን ዓቅሚ (potential) ከምዘለዎም ዘርኣዩ እዮም።
ሙሁር ማለት ደኣ እንታይ ማለት እዩ?
ሙሁር ማለት ንዓርሱን ንሕብረተሰቡን ዑምቀት ብዘለዎ ደረጃ ተገንዚቡ ሕብረተሰባዊ ሓላፍነቱ ጸንቂቊ ዝዋጻእ፤
ካብ ምሕሳው፣ ምጉሓል፣ ኣገባብ ዘይብሉ ስርዓተ ጾታዊ ርክባት ብምርሓቕ፣ ናይቲ ዝነብረሉ ዓድን ሕብረተሰብን ሕግታት ኣኽቢሩ፣ ክንዲ እቲ ዝነብረሉ ማሕበረሰብ ከገልግሎ ዝደሊ ነቲ ሕብረተሰብ ንምግልጋል ዝመርጽን ብምግልጋል ዝነብር፤
ናይ ሕብረተሰቡ ጸገማት ብዑምቆት ተገንዚቡ ነቲ ሕብረተሰቡ ካፍቲ ዘለዎ ጸገማት ንኸውጽእ ዝጽዕርን ተግባራዊ ምንቅስቃስ ዝገብርን ውፉይን ዝኾነ፤
ከም ናይ ገደል ገዋሕታ (boomerang) ዝነገርዎ ዝዛረብን ዝገብርን እንተይኮነስ ነተን ዝነግሩዎን ዝእዝዝዎን ነገራት ቅድሚ ምዝራቡን ምግባሩን ምስ ዓለምለካዊ ሓቅታትን (Universal truths) ምስ ናይ ከባብያዊ ጭቡጥ ኩነታትን ዘይቃረን ምዃኑ ንምምዝዛን ኣእምሮኣዊ ዓቅሚ ዘለዎን እቲ ዝተነገሮን ዝተኣዘዞን ነገራት ምስ ዓለምለኻዊ ሓቂታትን ከባብያዊ ጭቡጥ ኩነታትን ዝጻረር ወይ ድማ ዝቃረን ኮይኑ ክረኽቦ እንተሎ ዝነጽጎን ንዝኾነ ይዀን ፍርሕን ሳዕቤንን ዘይግዛእን ንሕሊንኡን ንሓቅን ጠጠው ዝበለ፤
ዝዛረቦ ነገር ካብ ስምዒቱን ካብ ዝመስሎ ነገራትን እንተይኮነስ ካብ ፍልጠት፣ ጽንዓት፣ ልምድን ጥበብን ተደሪኹን ምስ ካልኦት ዓበይቲ ጉዳያትን ሓሳባትን ስምረት (alignment) ብዘለዎ ኩነታት ዝተወሃሃደ ምኳኑ እናስተውዓለ ክኸውን እንተሎ፤
ቅድሚ ምዝራቡን ምትግባሩን እቲ ዝዛረቦን ዝገብሮን ነገር ሰለስተ ረቋሒታት ማለት እውን ረብሓ ዘለዎ፣ ሓቂ ዝኾነን ግዚኡ ዝሓለወን ምኳኑ ዘስተውዕል፤
ኣፍቲ ናይ ዝነብረሉ ሕብረተሰብ ኣነባብራ ዝተፈላለዩ ጽንዓታትን መስተውዕሎታትን እናገበረ ነቲ ናይቲ ሕብረተሰቡ ናብራ ከመሓይሽ ዝጽዕር፤
ናይቲ ዝነብረሉ ማሕበረሰብ ውሽጣውን ደጋውን ምዕባለታት እናተኸታተለን እናተንተነን እቲ ዝነብረሉ ሕብረተሰብ ንቕድሚት ክገጥምዎ ዝኽእሉ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ሓደጋታት ብምልላይን መማረጺ መፍትሒ ሓሳባት ብግዘ (ብእዋኑ)ብምምሃዝን ነቲ ሕብረተሰብ ብምንቃሕን ብምእማንን ናይቲ ንቕድሚት ከጋጥሞ ዝኽእል ሓደጋታት ብውሑድ ዋጋ ከድሕን ዝኽእልን ዘድሕንን፤
እተን ዝላዓላ ዓለምለኻዊ ናይ ሞራል ደረጃታት (standards) ጠንቂቑ ዝፈልጥን ብዘይ ምውልዋል ተገዚኡ ዝነብርን ንውልቃውን ንቤተሰባዊን ረብሓ ክብረ ህሊንኡ ዘይሸጥን ናይ ሞራል ደረጅኡ ዘየትሕትን፤
ዘይፈልጦ ነገር ክሰምዕ እንተሎን ክርኢ እንተሎን ክንዲ ተቐዳዲሙ ዝነጽጎ፣ ዘናሽዎን ዝጸልኦን ብዝተረጋግአ መንፈስ ዘዳምጽን ዘስተውዕልን ድሕሪኡ እውን ክንዲ ተጓይዩ ብስምዒትን ብይመስለንን ናብ መደምደምታ ዝበጽሕ ውሽጡ(gut feelings) ብምድማጽ ነቲ ዝሰምዖን ዝረኣዮን ነገር ብዑምቆት ንምርዳእ ጽንዓት ዝጅምር ወይ ከዓ ምንም ስምዒታዊ ዝኾነ ሪኢቶ ካብ ምሃብ ዝቑጠብን፤
ፎቆድኡ ዝሰምዖን ፍረን መሰረትን ዘይብሉ ወረታትን መረዳእታታትን ንዘዝረኸቦ ሰብ ዘየመሓላልፍን ዘይምርዝን፤
ብዛዕባ ዝረኣዮ ነገር፣ ዝሰምዖ ነገር፣ ዝገጥሞ ነገር ውልቃዊ ሪኢቶ ክህልዎ ግድን ከምዘይኮነ ዝርዳእን ዝረኣዮ፣ ዝሰምዖን ዝገጥሞን ነገር ንኻልኦት ሰባት ዘካፍል እተን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሳ ሰለስተ ረቋሒታት ማለት እውን ረብሓ ዘለዎ፣ ሓቂ ዝኮነን ግዚኡ ዝሓለወን ክኸውን እንተሎ ጥራሕ ክኸውን እንተሎ፤
ነቲ ሕብረተሰቡ ንምግልጋል አብ ዝገብሮ ሙሉእ ውፍይነትን ጻዕርን ጥራሕ ትኹረቱ ዝገብርን በቲ ሕብረተሰቡ ተፈላጥን ትኹረት ሰሓባይን ንምኳን ልቡ ክሳብ ዝነትዕ ላሕ ዘይብል፤
ከም ሰብ ነቲ ናይ መወዳእታን ዝለዓለን ናይ ሰብ ዓቅሚ(potential) ሽቶ እንታይ ከምዝኾነ አነጺሩ ዝፈልጥን ናብኡ ንምብጻሕ ዝጽዕርን ፎቆዶ ከንቱ ዕላማታትን ሽቶታትን ደርገፍገፍ እናበለን ተሎቝጡ ዘይነብርን ልዑል ዝኾነ ናይ አእምሮ ጽሬት (clarity) ዘለዎ፤
ከብዱ ንኽመልእ፣ ጽቡቕ ንኽርኢ፣ ጽቡቕ ንኽሰምዕ፣ ጽቡቕ ንኸጫኑ፣ ጽቡቕ ንኽክደን፣ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ወሲብ ድሌቱ ንኸርዊ ህሊንኡ ዘይሸጥን ዘይሕሽከርን ናይተን 5 ናይ ስምዒት ህዋሳቱ ተገዛኣይ ዘይኮነን ነተን 5 ናይ ስምዒት ህዋሳቱ ድሌት ንኸርዊ ኣብ ከርተት ዘይነብርን ነተን ዝለዓላ ናይ ሞራል ደረጃታት (standards) ዘይጥሕስ፤
ሰብ ኣዝዩ ዝለዓለ ዓቅሚ(potential) ከምዘለዎ ተገንዚቡ ነቲ ዓቕሚ ኣማዕቢሉ ናብ ፍረ ንምብቃዕ ዝጽዕርን ግለሰባዊ ዝኾነ ይኹን ህርፈት ዘይብሉን ነቲ ልዑል ናይ ደቂ ሰባት ዕላማ ዝነብር፤
ዝተጋገዮ ነገር ባዕሉ ክፈልጦ ወይ ከዓ ካልኦት ከማላኽትዎ እንተለዉ እንተይተሸቁረረን ናብ ተኸላኻላይነት መንፈስ እንተይኸደን ጌግኡ ንምእራም ዘኸእል ናይ ምስትውዓል ክእለት (consciousness level) ዘለዎ፤
ዝኮነ ይኩን ነቐፌታ ጽን ኢሉ ዝሰምዕን ግላዊ ጌሩ ዘይሪኦን። ምስቲ ነቐፌታ ዝሃቦ ሰብ ናብ ዝኾነ ይኹን ግጭት ዘይኣቱን ነቶም ነቐፍቱ ዘኽብርን ንቐጻላይ ነቐፌታት ዝእንግዶምን ዘበረታትዖምን። ንሰባት ፈታውን ጸላእን ኢሉ ኣብ ክልተ ካብ ምምቃል ሓሊፉ ሕድሕድ ሰብ ፍሉይ ከምዝኮነን ሕድሕድ ሰብ ነናይ ባዕሉ ኣተሓሳስባ፣ ኣረዳድኣን ኣመለኻኽታን መሰል ከም ዘለዎ ተቐቢሉ ምስ ካልኦት ሰባት ዘለዎ ርክብ ብስምዒኢትን ብጥቕማ ጥቕምን እንተይኮነስ ብመሆታትን እሴታታትን (principles and values) ዝግዛእ እንትኸውን እንተሎ እዩ፤
ኣፍቲ ናይ ሞይኡ ፍልጠት ጉዳይ ዝሕተሙ ሓደሽቲ መጻሕፍቲን ናይ ጽንዓት ሰነዳትን እናንበበን እናመርመረን ናይ ባዕሉ ዓቕሚ ቀጻላይነት ብዘለዎ ኩነታት ዘማዕብል፤
መጻሕፍትታት ዝጽሕፍ፣ እዋናዊ ኩነታት ንምርዳእን ንምፍታሕን ዘኽእሉ ጽንዓታዊ ጽሑፋት ዘሰናድእን ነቲ ሕብረተሰቡ ዘቕርብን በሊሕ ናይ ኣእምሮ ብቕዓት ዘለዎ፤
ማሕበራውን ካልኦት ክልስ ሓሳብን (theories) ዘማዕብልን ነቲ ክልስ ሓሳብ ስርዓት ጌሩ ብምትንታን ካፍቲ ፍልጠት እቲ ሕብረተሰብ ዝርበሐሉ ኩነታት ዝፈጥር፤
ናይ ዝመስሉዎ ነገራትን ጭቡጥ ኩነታትን (subjective reality and objective reality) ኣፈላላይ ኣነጺሩ ዝርዳእን ምስ ጭቡጥ ኩነታት ናይ ምንባርን ምስራሕን ዓቅሚ ዘለዎ፤
ቅድሚ ኣብ ዝተፈልላለዩ ሚድያታት እናወጸ ስሚዒቱን ድሌቱን ዝገልጽ ነቲ ስምዒቱን ድሌቱን ብጽሑፍ ጌሩ ምስ ጭቡጥ ኩነታት ኣዋሃሂዱ ናይ ምቕማጥ ኣእምሮኣዊ ብቕዓት ዘለዎ፤
ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካውንት ከፊቱ ስምዒቱን ድሌቱን ዝጽሕፍ እንተይኮነስ ስነስርዓትን ሳይነሳውን ብዝኮነ መልክዕ ጽንዓትን ጽሑፋትን እናዘጋጀወ ናይ ፍታሕ ኣንፈታት ነቲ ሕብረተሰብ ኣነጺሩ ምርኣይ ዝኽእል፤
ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ መድረኻት ብተአንጋዳይነትን ብተሳተፋይነትን እናቐረበ ፍልጠቱ ንብዙሓት ብርሃን ንምዃን ክኽእል እንተሎ፤
ብጠቅላላ ሕሽክርና፣ ተለኣኣኻይነት፣ ናይ ሓሳብ ተጸባይነት፣ ጽግዕተኝነት ኣዝዩ ዝጽየፍን ብዓርሱን ብውልቃዊ እምነቱን ጠጠው ዝብል ሰብ ማለት እዩ።
እሞ ትግራይ ምሁር ኣለዋ ‘ዶ?
ቀደም ሓንቲ ጓል ዓዲግራት ሓፍትና ካብ ወዲ ኤርትራ ቆልዓ ወሊዳ ይበሃል እቲ ዝተወለደ ቆልዓ ብንእሽተዩ ይመውት እሞ ሰባት ተላኢኾም ነቲ ኣቡኡ የርድእዎ። እቲ ወላዲ እውን ምእዋይ ይጅምር ኣብ ሞንጉኡ ሽሙኸ መን ኢላቶ ኔራ ኢሉ ይሓትት። ”ስባጋድስ” ኢሎም ይምልሱሉ። ደሓር እቲ ወላዲ እውን ”ተስፋንቸአል ከይትብሎ ከምሃገራ፤ ገረንቸአል ከይትብሎ ከምሃገራ ወደይ ቀቲላቶ ሽም ኣኽቢዳ” ኢሉ በኸየ ይበሃል።
እሞ ንሕና እውን ነተን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዋ ረቋሒታት ዘይተላበሱን ዘየማልኡን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምሁራት እናበልና ሽም ኣይነኽብደሎም እናበልኩ ጽሑፈይ የጠናቕቕ።
የቐንየለይ!