ኣመሪካ ዘዳለወቶ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዝምልከት ረቒቕ ሕጊ ኣበይ በጽሐ?
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣመልኪቱ ተሓታትነት ክህሉ ጸቕጢ ንምፍጣር ዘዳለዎ ረቒቕ ሕጊ ክደንጉይ ወሲኑ ዝብሉ ጽብጻባት ዝወጹ ዘለዉ እኳ እንተኾኑ፡ ቢቢሲ ግና እቲ ጉዳይ ሕዚ እውን ኣብ ከይዲ ከምዘሎ ዘመላኽቱ መረዳእታታት ረኺቡ ኣሎ።
ቢቢሲ ካብ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ መብርሂ ንምርካብ ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ስሩዕ ከይዲ ከምዘሎ ዘመልክት ምላሽ ረኺቡ።
ካብዞም ረቒቕ ሕጊታት ሓደ ዝኾነ ‘ኤችኣር6600 ሰላም፣ ዲሞክራስን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ’ ብዝብል ዝተዳለወ ረቒቕ ሕጊ ቅድሚ ሰሙናት ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ኣመሪካ ቀሪቡ።
ሰኔት ኣመሪካ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ዲሞክራስን ንምብርትታዕ ወይ ‘The Ethiopia Peace and Democracy Promotion Act’ ብዝብል ዘርቀቖ ኤስ3199 ዝተባህለ ረቒቕ ሕጊ ብጉዳያት ወጻኢ እቲ ሰኔት ኣቢሉ ናብ ቤት ምኽሪ መወሰኒ ሕጊ ተመሪሑ።
ናይዞም ረቂቕ ሕጊታት ምድላው ምስተሰምዐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ንሰብኣውነት ክበሃል ተኹሲ ደው ከምዘበለን ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ጻዕሪ ከምዝገብርን ኣፍሊጡ እዩ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ እዞም ሕግታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ኣብ ግምት ዘየእተዉ ከምዝኾኑ ዝገለጸ ኮይኑ ብፍላይ ንከይዲ ሰላም ኣበርክቶ ዘይብሎም ከምዝኾኑ ብምጥቃስ ምስ ሰበስልጣን ኣመሪካ ከምዝተዘራረቡ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣንጻር እቶም ሕጊታት ክቃወሙ መንግስቲ ብዘቕረሎም ጻውዒት ድማ ኣብ ኣመሪካ ሰፋሕቲ ሰልፊታት ተኻይዶም።
እቶም ረቒቕ ሕጊታት ክድንጉዩ ተወሲኑ ድዩ?
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልቲታት እቶም ረቂቕ ሕግታት ብኮንግረስ ኣመሪካ ክድንጉዩ ተወሲኑ ዝብሉ ሓበሬታታት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ተገሊጹ።
እዞም ትካላት ከም ምንጪ ዝጠቐስዎ ‘ኢትዮጵያን ኣመሪካን ሲቪል ካውንስል’ እዩ።
ውድብ ብልጽግና እውን ነዚ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ገጹ ጠቂዕዎ።
ብኣንጻሩ እቶም ረቒቕ ሕግታት ብስሩዕ ከይዲ ሕጊ ምርቃቕ ይሓልፉ ከምዘለዉ ገለ ሰናተራት ኣመሪካን ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉን ይዛረቡ።
ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ንተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ መብርሂ ሓቲቱ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ስሩዕ ከይዲ ከምዘሎ ዘመላኽት ምላሽ ረኺቡ ኣሎ።
ጉጅለ ኮምዩኒኬሽን እቲ ኮሚተ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቶም ረቒቕ ሕጊታት ክደናጎዩ ተወሲኑ ኣብ ዝብል ግልጺ ምልሽ ኣይሃበን።
ኮይኑ ግና እቲ ኮሚተ ኣብዞም ረቂቕ ሕጊታት ተሞርኲሱ ተሓታትነት ክህሉ ንምግባር ድሉውነት ከምዘለዎ ገሊጹ።
“ምምሕዳር ኣመሪካ ነዞም ሕግታት ብምጥቃም እቲ ሓድሕድ ኲናት ክቕጽል ዝገብሩ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይበጽሕ ዝኽልክሉ፣ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጽሙ ኩሎም ተሓተትቲ ንምግባር ውፉይ እዩ” ኢሉ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ፍጹም ኣረጋ “ብናይ መንግስትና ሰናይ ስጉምቲ፣ ብናይ ዳያስፖራ ጻዕርን ብናይ ገበርቲ ሰናይ ምትሕብባር ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ እናተመሓየሸ ብምምጽኡን ኣብ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ኣመሪካ እናተርኣዩ ዝጸንሑ ረቒቕ ሕጊታት ‘ኣብ ዘለዉዎ ደው ክብሉ’ ዝብል ሓሳብ ኣብ ውሽጦም ምዝውዋር ምጅማሩ ጽቡቕ እዩ” ኢሉ።
ኣምባሳደር ፍጹም፡ እቶም ረቒቕ ሕጊታት ክድንጉዩ ውሳነ ተሓላሊፉ ኢሉ ግን ብግልጺ ኣይጸሓፈን።
“እቲ ጉዳይ ገና ውሳነ ዘይረኸበ ብምዃኑ እቲ ናይ ማዕቀብ ሓሳብ ክሳብ ዝውገድ፡ ዝተጀመረ ቃልሲ ተጠናኺሩ ክቕጽል ኣለዎ” ክብል ኣስፊሩ።
ብኻልእ ገጽ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ቲቦር ናዥ ኣብ ትዊተር፡ ኮንግረስ ኣመሪካ ኣብ ‘ ኢትዮጵያ ፒስ ኤንድ ዲሞክራሲ ፕሮሞሽን ኣክት’ ተወሳኺ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ተቖጢቡ ኣሎ ብምባል ክደናጔ ከምዝተገበረ ኣመልኪቱ።
” እቲ ምቁራጽ ተኹሲ ናበይ ከምዝኸይድ ንምርኣይን እቲ ከባቢ ንሰብኣዊ ሓገዝ ሙሉእ ብሙሉእ ክፋት ምዃኑ ንምርግጋጽን ብዝብል” ብምባል እቶም ሕግታት ከይጸደቑ ዝደንጎይሉ ምኽንያት ገሊጹ።
ካልእ ኣባል ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ እቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነ ተወካሊ ኢዳሆ፡ ጂም ሪሽ፡ ኣብ ትዊተር ገጹ፡ ብተሓለቕቲ መሰላት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጸመ ገበን ምጽጻይ ዓሌት ብዝምልከት ዝወጸ ጸብጻብ፡ ዘሕዝን ምዃኑ ብግላጽ፡ ኣድላይነት ከም ኤስ3199 ዝበሉ ረቂቕ ሕግታት ገሊጹ።
እቲ ሴናተር ክልቲኦም ንኢትዮጵያ ዝምልከቱ ሕግታት “ብስሩዕ ከይዲ ሕጊ ይሓልፉ ኣለዉ” ኢሉ።
እቶም ረቒቕ ሕግታት ክዳለዉ ይጉስጉሱ ካብ ዝነበሩ ሰባት ሓንቲ ዝኾነት መስራቲት ኦላ ዝተባህለ ትካል ኣድቮኬሲ፡ ሴና ጂምጂም፡ እቶም ረቒቕ ሕግታት ክድንጉዩ ተወሲኑ ዝብል “ፍጹም ሓቂ ኣይኮነን” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ምድላው እቲ ረቒቕ ብዙሓት ሰባት ዝተሳተፉሉን ዘተ ዝተኻየደሉን ብምዃኑ ክድንጉይ እንተዝውሰን እውን ዝምልከቶም ኣካላት ክዘራረቡሉ ነይሮም ብምባል እቲ ናይ ምድንጓይ ሓሳብ ሓሶት ከምዝኾነ ኣብሪሃ።
ብኻልእ ወገን ናይ ኢትዮጵያን ኣመሪካን ሲቪል ካውንስል ወሃቢ ቃል ኣቶ ኣምሳሉ ካሳሁን፡ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጭቡጥ ለውጢ፣ ምቁራጽ ተኹስን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ከይተዓናቐፍ ብምባል ተዳልዩ ዝነበረ ረቂቕ ኣዋጅ ካብ ምጽዳቕ ከደንጉዩ ከምዝወሰነ ምስምኡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝቐረበን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቤት ምኽሪ መወሰኒ ዝተመርሐን ረቒቕ ሕጊ ኤስ3199፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ፣ ሰብኣዊ መሰል፣ ሰላምን ምርግጋእን ንምድጋፍ፡ ምምሕዳር ኣመሪካ ዲፕሎማስያዊ፣ ልምዓታዊን ሕጋውን ምላሽ ክህብ ዝሓትትን ነዚ ከይዲ ኣብ ዘተዓናቕፉ ዘለዉ ኣካላት ድማ እቲ ምምሕዳር ማዕቀብ ዘንብረሉ መስርሕ ንምፍጣርን ከምዝተለመ ኣመሪካ ኣፍሊጣ እያ።
ኣመሪካ ንሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ እትገብሮ ሓገዝ ካብ ምኽልካል ብተወሳኺ ፡ ሓድሕድ ኲናት ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ንዝግበር ጻዕሪ ዘተዓናቕፉ፣ ካብቲ ኲናት ዝጥቀሙን ክበኣኣስ ብገንዘብ ይኹን ብቐጥታ ኣብ ዝሳተፉ ኣካላት ማዕቀብ ክትገብር ዘኽእል እዩ።
ብተመሳሳሊ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዝምልከት ረቒቕ ሕጊ ኤችኣር6600 ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ምስቲ ጎንጺ ተተሓሒዙ ንዝበጽሑ ደበላት ተሓተትቲ ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ውልቀ ሰባትን ማዕቀብ ክግበር ዘኽእል እዩ።
እዞም መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጥቡቕ ዝቃወሞም ዘሎ ረቒቕ ሕግታት እንድሕር ፕረዚደንት ባይደን ኣጽዲቑዎም፡ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ድሕነት፣ ፋይናንስ/ኢንቨስትመንት ኢሚግሬሽንን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቀብ ክትገብር እያ።