ቅልውላው ትግራይ፡ ህይወት ኣብታ ካብ ዓለም ተነጺላ ዘላ መቐለ ዘሎ እንታይ ይመስል?
ፍልፍል፡ BBC ትግርኛ
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ንክበጽሕ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተኣወጀ ግዝያዊ ውግእ ደው ምባል፡ ነቲ 17 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ሓድሕድ ኲናት ከብቅዕ ክገብሮ ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ሂቡ ኣሎ፡፡
ክልል ትግራይ ብተዝነበረላ ዕጽዋ ካብ ሙሉእ ዓለም ተነጺላ ትርከብ፤ እዚ ድማ ሚልዮናት ንሕጽረት ምግብን ኣድለይቲ ቀረባትን ክቃልዑ ገይሩዎም፡፡
ኣብታ ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ እትርከብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ዝኾነት መቐለ ዝነብር ውልቀ ሰብ፡ ህይወት ኣብታ ከተማ እንታይ ከም ዝመስል ንቢቢሲ ኣካፊሉ ኣሎ፡፡
ንምንባር ዘድልዩ መሰረታዊ ቀረባት ይረክብ’ዶ ዝብል ሓሳብ፡ ፍልፍል መዓልታዊ ጭንቀት እዩ፡፡
ኣቦ ክልተ ቈልዑ ከም ምዃነይ ንቤተሰበይ ዘድልዩ ነገራት ከማልእ ዘይምኽኣለይ ኣዝዩ የሕዝነኒ፡፡ ናይዚ ሓደ ምኽንያት፡ ባንኪታት ስለ ዝተዓጸዉ ኣብ ባንኪ ዘለኒ ቅርሺ ኣውጺአ ክጥቀም ዘይምኽኣለይ እዩ።
እዚ ንመብዛሕትና ነበርቲ ዘጋጠመና ጸገም እዩ፤ ሕጽረት ጥረ ገንዘብ እውን ኣሎ፡፡
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ካብ ባንኪ ገንዘብ ከውጽእ ኣይከኣልኩን፡፡ ንቤተሰበይ ዝኸውን መግቢ ንምግዛእ ካብ መሓዙትን ቤተሰብን እናተለቃሕኩ ጸኒሐ፡፡
ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኣዝማድ እውን ክሕግዙ ይደልዩ እዮም፤ እንተኾነ ስልክን ኢንተርነትን ዕጹው ስለ ዝኾነ ዝሕግዝሉ መንገዲ ከመቻችዉ ኣይኽእሉን፡፡
ኣብ ርእሲኡ ዋጋ ምግቢ ሰማይ ኮይኑ፡፡ ዋጋ ጣፍ፣ ሕሩጽ ስርናይ (ስንዳይ) ፣ በርበረን ዘይትን ዝከኣል ኣይኮነን፡፡
ቅድሚ ሓደ ዓመት 80 ዶላር ዝነበረ ዋጋ ሓደ ኩንታል ጣፍ፡ ሎሚ 146 ዶላር በጺሑ፡፡
እቶም ክገዝኡ ዝኽእሉ እውን ቁሩብ ጣፍ ሸሚቶም ምስ መሸላን ስርናይን እናሓወሱ እዮም እንጀራ ዝስንክቱ፡፡
ካልኦት ግና ጣፍ ምሽማት ኣይሓስብዎም፡፡
ኣብ ገደናና ኣሕምልቲ ክንተክል ተነጊሩና እዩ፤ ንፍትን እውን ኣለና፡፡ እቲ ጸገም ግን እኹል ማይ ክንረክብ ኣለና፡፡
ቅድሚ ሕዚ ንሰሙን ዘጽንሐና 200 ሊትሮ ማይ ዝሕዝ ገንኢ ንገዝእ ነይርና፤ ኣብዚ እዋን ግን ንምግዛእ ዓቕሚ ስለ ዘይብልና ማይ ካብ ዒላ ኢና እነምጽእ፡፡
ሎሚ ንቖልዑ ክዳውንቲ ምግዛእን ስጋ ምብላዕን ብርቂ ኮይኑ እዩ፡፡
ተበጻሕነት ጽሩይ ዝስተ ማይን መብራህትን ኣዝዩ ውሱን እዩ፡፡ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ግዘ ክይድ ምጽእ ክብል ይኽእል፤ ሓደ ሓደ ሻዕ እውን ንመዓልቲታት ኣይንረክብን፡፡
ብዙሓት ሰባት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኖም፡፡ መብዛሕትኦም ድኳናትን ማእከላት ንግድን፡ ገሊኦም ክራይ መኽፈሊ ብምስኣን ካልኦት ድማ ዝሸጥዎ ስለ ዘይብሎም ተዓጽዮም፡፡
በዚ ምኽንያት ነበርቲ ከም መኪና፣ ናይ ገዛ ኣቑሑትን መጋየጺታቶምን ምሻጥ ጀሚሮም እዮም፡፡ ብሕሳር ዋጋ ክሸጡ እዮም ድማ ዝግደዱ፡፡
ንኣብነት ቅድሚ ሕዚ ንግራም 64 ዶላር ዝሽየጥ ዝነበረ 21 ካራት ወርቂ፡ ሐዚ ብ 12 ዶላር ክሽየጥ ይኽእል፡፡ 16 ሽሕ ዶላር እተውጽእ ዝነበረት መኪና ብ 7 ሽሕ ክትሽየጥ ትኽእል፡፡
ዝሸጥዎ ነገራት ዝወድኡ ሰባት ድማ ናብ ልመና ወጺኦም ኣለዉ፡፡ ብዙሓት ዝልምኑ ሰባት ኢኻ ኣብ ጎደናታት እትረክብ፤ መብዛሕተኦም ድማ ኣዴታትን ህጻናትን እዮም፡፡
ማእከላት ሕክምና እውን መድሓኒት ወዲኦም፡፡ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ብሕጽረት መድሓኒት ይሞቱ ኣለዉ፡፡
ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ብዝተቖራረጸ መንገዲ እዮም መድሓኒት ዝረኽቡ፤ ቀጻልነት የብሉን፡፡
ሃይማታዊ በዓላትን ከም መርዓ ዝበሉ ማሕበረሰባዊ ጸጋታትን ታሪኽ ኮይኖም፡፡
መዓልታዊ ንጥፈታተይ ብዝምልከት፡ ቅድሚ ኣብያተ ትምህርቲ ምኽፋቶም ኣምስየ ይድቅስ ነይረ፡፡ ምኽንያቱ ካብትን ካብዝን ክእክቦም ዝወዓልኩ ዜናታት ክርእይ ስለ ዘምሲ እዩ፡፡
ትኩስ ዜና ምርካብ እኳ ከቢድ እዩ፡፡
ናይ ኢንተርነት አገልግሎት ኣይረክብን፤ ኣብ ጎደና ቪድዮታትን ድምጺታትን ካብ ዘከፋፍሉ ሰባት እየ ዝገዝእ፡፡ እዚኦም ክሳብ 0.2 ዶላር እዮም ዝሽየጡ፡፡
ካልእ እዋን ግና መጽሓፍ የንብብ፣ ምስ ጎረባብቲ የውግዕ ወይ ናይ ናይ እግሪ ጉዕዞ ይገብር፡፡
ዘይልከፍ ዋጋ ነዳዲ
ሐዚ ወደይ ትምህርቲ ስለ ዝጀመረ ብእግረይ ብዙሕ ይጉዓዝ፡፡ ኣብ ስልከይ ዘሎ መዝጋቢ ርሕቀት፡ መዓልታዊ ካብ 9 ሽሕ ክሳብ 12 ሽሕ ስጉሚ ከም ዝኸድኩ ይነግረኒ፡፡
መብዛሕትኡ ንጉሆ ንወደይ ናብ ቤት ትምህርቱ ንምውሳድ 2 ኪሎ ሜትሮ ብእግረይ ይጓዓዝ፡፡ ኣብ ምሳሕ ሰዓት ድማ በዓልቲ ገዛይ ብግዲኣ ብእግራ ከይዳ ተምጸኦ፡፡
ብመኪና እየ ዝጓዓዝ ነይረ፤ ንዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ግን ዋጋ ነዳዲ ስለ ዘይከኣልኩዎ መኪናይ ኣብ መረባ ደው ኢላ፡፡
ነዳዲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ጥራሕ ኢኻ ምግዛእ እትኽእል፡፡ ቅድሚ ሕዚ 0.42 ዶላር ዝነበረ ዋጋ ሓደ ሊትር ነዳዲ ኣብዚ እዋን 10 ዶላር በጺሑ፡፡
ብታክሲ ወይ ባጃጅ ምጉዓዝ እውን ኣይሕሰብን፡፡ ብባጃጅ ንሓንቲ ጉዕዞ 2 ዶላር እዮም ዘኽፍሉ፡፡
ሕዚ፡ ብፈረስ ዝጉተታ ካሮሳታት እየን ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ዝህባ ዘለዋ፡፡
ብዙሓት ሰባት ብሽክለታ ምጥቃም ጀሚሮም፤ እንተኾነ ዋጋ ብሽለክታ እውን ኣዝዩ ከቢሩ፡፡
ኣብዚ ዘሎ ህዝቢ፡ እቲ ጎንጺ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ እዩ ዝደሊ፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተጻብኦ ደው ናይ ምባል ዜና ምስ ተሰምዐ ኣዝዩ ተሓጒሱ ነይሩ፡፡
ካብ ባዶ መብጽዓ ዝዘለለ ምዃኑ ንምርኣይ ተሃንጥዩ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብዓርቢ እታ ፈላማይቲ ረድኤት ዝሓዘት መኪና ምስኣተወት ግን ነገራት ዝቕየሩ ዘለዉ ይመስል፡፡
ብህይወት ተሪፈ ታሪኸይ ከካፍል ምኽኣለይ ‘ተመስገን’ እየ ዝብል፤ እንተኾነ ብዙሓት ካብ ናተይ ኣብ ዝገደደ ኩነታት ከም ዘለዉን ካልኦት ይሞቱ ከም ዝህልዉን ይፈልጥ እየ፡፡
ንዝኹሉ ግን ሓደ መጸናንዒ ኣሎ፤ ሰባት ሐዚ እውን ሓድሕዶም ይተሓጋገዙ፡፡
ሰባት ነቲ ‘‘በይኑ ዝበልዕስ በይኑ ይመውት’’ ዝብል ብሂል ወለድና ይኽተሉ ኣለዉ፡፡
ዋላ ጽባሕ ከም ዝጠምዩ እናፈለጡ ዘለዎም የካፍሉ፤ ሓቢርካ ብህይወት ንምትራፍ ዘደንቕ ምትሕግጋዝ ኣሎ፡፡