‘ኣብ ትግራይ ካብ ዝኾነ ከባቢ ዓለም ዝኸፈአ ቅልውላው’ዩ ዘሎ’- ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም
ፍልፍል፡ BBC
ኣብዚ እዋን ካብ ዝኾነ ከባቢ ዓለም ንላዕሊ ዝኸፈአ ቅልውላው ኣብ ክልል ትግራይ ከምዘሎ፡ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተዛሪቡ፡፡
ዶ/ር ቴድሮስ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘‘ኣብዚ እዋን ካብ ዝኾነ ከባቢ ዓለም ንላዕሊ፡ ናይ ሰባት ጥዕና ኣብ ኣሻቓሊ ደረጃ ዝርከበሉ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ’’ ኢሉ፡፡
‘‘እወ! ኣነ ትግራዋይ እየ፡፡ እዚ ቅልውላው ንዓይ፣ ንቤተሰበይን ንመሓዙተይን ብውልቀ ይጎድአና እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ምዃነይ፡ ኣብ ስግኣት ንዘሎ ጥዕና ናይ ምሕላውን ምክንኻንን ሓላፍነት ኣለኒ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ንላዕሊ ኣብ ትግራይ ብሚልዮናት ናይ ዝቑጸሩ ሰባት ህይወት ኣብ ዘሻቕል ደረጃ ይርከብ’’ ኢሉ፡፡
እቲ ዳይሬክተር ጀነራል፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ቅልውላው፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘንበርዎ ዘይወግዓዊ ዕጽዋ ተሓታቲ ገይሩ፡፡
ዶ/ር ቴድሮስ ኣብ መግለጺኡ፡ ከምቲ ሩስያ ምስ ዩክረይን ሰላም ክተውርድ ጽውዒት እነቕርብ ዘለና ‘‘ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘንበረኦ ወግዓዊ ዘይኮነ ዕጽዋ ከልዕላን ህይወት ንምድሓን ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕ ክፈቕዳን ጻውዒት ነቕርብ’’ ኢሉ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ዕጽዋ ከምዘየንበረ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ትግራይ ብወገን ዓፋር ሓገዝ ከይኣቱ ዕንቅፋት ዝኸውን ዘሎ ሓይልታት ትግራይ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኣሕመድ ገሊጹ ነይሩ፡፡
‘’95 ሜትሪክ ቶን መድሓኒት ናብ ትግራይ ንምእታው ፍቓድ ኣይረኸብናን’’
ዶ/ር ቴድሮስ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ዝመርሖ ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም፡ 95 ሜትሪክ ቶን መድሓኒት ናብ ትግራይ ከእቱ ፍቓድ ከምዘይረኸበ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡
መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትግራይ ዝርከቡ 6 ሚልዮን ሰባት ንዝሓለፉ 500 መዓልቲታት ኣብ ትሕቲ ወግዓዊ ዘይኮነ ዕጽዋ ክኾኑ ገይሮም እዮም ኢሉ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምትዕንቓፍ ፍሰት ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ንሓይልታት ትግራይ እዩ ተሓተትቲ ዝገብር፡፡
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ካብ ዝሃለፈ ኣመት ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ’ቲ ክልል ‘ዘይእዉጅ ኩለንተናዊ ዕጽዋ ተነቢሩ’ ከምዘሎ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
‘‘ነዳዲ፣ ጥረ ገንዘብን ናይ ርክብ መስመራትን ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ የለን’’
ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ዓ/ም ጀሚሩ ናብ ትግራይ ሓገዝ ምግቢ ከምዘይኣተወ ዝተዛረበ ዶ/ር ቴድሮስ፡ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ እቲ 83 ምኢታዊት ዝኸውን ውሕስና ምግቡ ዝተረጋገጸ ከምዘይኮነ ሓቢሩ፡፡
ብመሰረት መጽናዕቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዉ ትካላት ጥዕና ሲሶ ‘‘ተጎዲኦም ወይ ዓንዮም እዮም’’ ኢሉ እቲ ዋና ዳይረክተር፡፡
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ውድብ ጥዕና ዓለም ን 300 ሽሕ ሰባት ዝኸውን 33 ሜትሪክ ቶን መድሓኒትን ካልኦት እታወታትን ናብ ትግራይ ብነፈርቲ ከምዘብጸሐ ገሊጹ፡፡
ኣብ ዝሓፈለ ሰሙናት እውን ምስ ካልኦት መሓዙት ትካላት ብምዃን ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ 65 ትካላት ጥዕና ሓገዝ ከምዝገበረ’ውን ኣፍሊጡ፡፡
‘‘ካብዚ ንላዕሊ ክንሰርሕ ኣለና፡፡ ተወሳኺ 95 ሜትሪክ ቶን እታወታት ጥዕና ንምልኣኽ ኣብ ምድላው ኣለና፤ ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ ፍቓድ ኣይረኸብናን’’ ኢሉ፡፡
ኣብ ትግራይ ንዘሎ ጸገም ጥዕና ምላሽ ንምሃብ 2200 ሜትሪክ ቶን እታወታት ጥዕና ከምዘድሊ ዝገለጸ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረእየሱስ፡ ዛጊድ 117 ሜትሪክ ቶን ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቡ፡፡
ኮይኑ ግና ‘‘እዚ ካብቲ ዝድለ ትሕቲ ሓደ ምኢታዊት እዩ’’ ኢሉ፡፡
ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ነዳዲ ሕጽረት ነቲ ናብቲ ክልል ዝኣተወ መድሐኒት ናብ ዝድለየሉ ቦታ ምብጻሕ ‘‘ከቢድ ወይ ዘይከኣል ገይሩዎ” ኢሉ እቲ ዋና ዳይሬክተር፡፡
ዶ/ር ቴድሮስ ኣብቲ ትማሊ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ መዋሰኒ ከባቢታት ክልል ዓፋር ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት እውን ካብ እዋን ናብ እዋን እናኸፈአ ከምዝመጸአ ገሊጹ፡፡
ኣብቲ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝተፈናቐልሉ ኩነታት ናይ ምግቢ፣ ምጽለልን ኣገልግሎት ጥዕናን ከምዘድሊ ብምሕባር እንተኾነ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት እንትነጻጸር ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዝሓሸ ተበጻሕቲ ከምዝኾኑ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጎድኡ እኳ እንተኾኑ ካብ ትግራይ ብዝሓሸ ክልቲኦም ክልላት ተበጻሕቲ እዮም፡፡
‘‘ናይ ኤችኣይቪ፣ ሳንባ፣ መንሽሮን ሕሙማት ሽኮርን ሕክምና ኣይረኽቡን ዘለዉ፤ እናሞቱ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡’’
ብምኽንያት ሕጽረት ነዳዲ መሓዙት ትካላት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝበጽሑዎ ከባቢታት ክንክዩ ከምዘገደዶም ዝገልጽ፡ ዶ/ር ትድሮስ ኣድሓኖም ‘‘ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዝኸፍአ እዩ፡፡ መስመራት ርክብ ዕጹዋት ምዃኖምን ጋዜጠኛታት ኣብ ትግራይ ተረኺቦም ክጽብጽቡ ዘይምኽኣሎምን ዝተረሰዐ ኲናት ክገብሮ እዩ’’ ኢሉ፡፡