ትግርኛ ተጋሩ ንዘጋጥሙና ፀገማት ብስልጡን መንገዲ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ኣለና ዶ? ተጋሩ ኣብ ታሪኽና ካብ ዝራኣናዮም ውድቀታት እቲ ዝዓበየ ክባሃል ኣብ ዝኽእል ብርኪ ኣለና ፣ ብሰንኪ ውድቀት መሪሕነት። ናይ ፖለቲካ ባህሊና ፀገም ከም ዘለዎ ብዙሓት ዝኣምኑሉ ስለዝኾነ ንሕስያ ብዘይብሉ መንገዲ ምምርማር ናይ ግድን ይመስለኒ። ከም’ዙይ ኢልካ ምቕፃል ካባና ሓሊፉ ነ’ቲ መፃኢ ወለዶ ኣብ ተመሳሳሊ ዕንክሊል ከንብሮ ስለ ዝኽእል። ሕሉፍ ታሪኽ ክንማሀረሉ’ምበር ንድሕሪት ተመሊስና ኣይንቕይሮን ፣ ነንባዕልና እንዋቐዕሉ በትሪ’ውን ኣይኮነ። ናይ ታሪኽ ቁምነገራት ወይ ሃጓፍት ሸፍፊንካ ምሕላፍ’ውን ናዓና ይኹን ንመፃኢ ወለዶ ኣይጠቅሞን። ኣገደስቲ ዝኾኑ ሕቶታት ምልዓል ብኡ ኣቢልካ ድማ ክድገሙ ዘይብሎም ጥፍኣታት ብግቡእ ተንቲንካ ናይ እርምቲ ስጉምቲ ምውሳድ ንምዕባለ ማሕበረሰብና ኣድላዪ እዩ። ሰብ ኮይኑ ሓደ ዓይነት ስሕተት ደጋጊሙ ክፍፅም ስለ ዘይብሉ። ሎሚ ሃለዋት ሕዝብና ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ ዘበን’ማ ከምዙይ ዝበለ ስጉምቲ ዝበለፀ ክጥለብ ዘለዎ እዩ። ኣብ’ቲ ንሕዝቢና ኣብ መከራን ወጥሪን ዘእተወ ፀገምን ንኹላህና ዘግድሰና ሓበራዊ ረብሓና ምዕሳል ንምንታይ ይኣብየና? ኣብ እዋን ኲናት ሕዝቢ ትግራይ ግዴትኡ ንኽፍፅም ፖለቲከኛታት ዝኻኣልኡዎ ፅዕንቶ ገይሮም ንደቁ ናብ ኲናት ከእትዉ ሰጋእ መጋእ ዘይበሉ ስልጣኖም ዘዳላደሉ እንትመስሎም ንምታይ ነቲ ዘድሓኖም ሕዝቢ ምስማዕ ይኣብዮም? ካብ’ቲ በፂሑና ዘሎ ዝገደደ እንታይ እንተ በፅሐና ኢና ካብ ናይ ኲናት ዕንክሊል ንምውፃእ ቅድሚ ሎሚ ዘይፈተንናዮም ካልኦት ስጉምቲታት እንወስድ? ናይ ብሓቂ ከምቲ ፖለቲከኛታትና ዝብሉዎ ካብ ቁፅፅርና ወፃኢ ብዝኾነ ምኽኒት ጥራሕ ድያ ትግራይ ዓውደ ኲናት ኮይና ተሪፋ? ናይ ፖለቲካን ሃይማኖትን ሊሂቃትና ብፅሒት የብሎምን? ኣብ ማሕበረሰብና ዘለዉ ባህላዊን ሃይማኖታዊን ድሕረታት ኣስተዋፅኦ ኣይገበሩን? ንምታይ ክሳብ ሎሚ ተሸኪምናዮም መፂና? ካብ ሕሉፍ ስርዓታትና ንምንታይ ምምሃር ይኣብየና - ሕዝቢ ትግራይ ጨቋኒ ስርዓት ንምጥፋእ ዶ ኣይኮነ ተቓሊሱ? ሰኺንና ምዝታይ ዝኣብይና ሊሂቃን ንምታይ ኮይንና? ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒልና ምዝታይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እንተንኣሰ መፃኢ ወለዶ ካብ’ዚ “ሕማም” እዙይ ክናገፍ ኣለዎ እንቴልና ካልእ መማረፂ የብልናን። ከም ሕዝቢ ክንጠፍእ ኣብ እንኽእለለኡ ብርኪ ስለዘለና። እዛ ፅሕፍቲ ካብ ናይ ባዕለይ ጭንቂ ተበጊሰ ሓሳበይ ክስንድ ኢለ ዝጀመርኩዋ እያ። ናይ ትግራይ ናይ ፖለቲካ መድረኽ ኣብ’ዚ ዘለሉ ናይ ውድቀት ብርኪ ኴንካ ክሕተቱ ኣለዎም ዝብሎም ሕቶታትን መበገሲ ዝኾኑ ሓሳባትን ንምይይጥ ንምውዛዕ ዝዓልመት እያ። ናይ ፖለቲካ ፀገማትና መንቀሊ ዓሚቕን ገፊሕን ታሪኻዊ ፣ ሓይማኖታዊ ፣ ባህላዊን ፣ ስነልቦናዊን መበገሲ ኣለዎም። ኣብ ዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ዝታኣታተዉ ናይ ፖለቲካ ስነሓሳባት (ideology) እውን ከምኡ። ናይ ማሕበራዊ ሳይንስ ተመራመርቲ ብገፊሑ ንኽሪእዎ ለበዋ ንቕራብ’ውን ዝዓለመት ፅሕፍቲ እያ። ሎሚ ኣይንካእን ዝባሃል ዛዕባ ይኹን ሓይሊ ክህሉ ኣይኽእልን ፣ ንኹሉ ምፍታሽ ግድን እዩ። ዘይጠቅም ናትካ’ውን ጉድኣት’ምበር ረብሓ ክህልዎ ኣይኽእልን። ኣንባባይ ብውነ ክሓስበሉ ፣ ክዝትየሉ ፣ ርኢቶ ክህበሉን ዝንፀግ እንተሊኡ’ውን ኣይፋል ክብል መፅዋዕታይ እዩ። ርኢቶ ንዘለኩም ኣድራሻይ ገዲፈ ኣለኹ። Axumawian Media October 12, 2026 1 minute read ናይ ታሪኽናን ባህሊናን ግደ ኸ እንታይ እዩ? ምሉእ ትሕዝቶ እዚ ፅሑፍ pdf ብማዓርግ ኣድሓኖም (ዶ/ር) Reasons of disunity-Tigray 2026_2Download About the Author Axumawian Media Administrator View All Posts Post navigation Previous: መንግስትነት ፣ መረፃን ሉኣላውነት ህዝቢን Related Stories ትግርኛ መንግስትነት ፣ መረፃን ሉኣላውነት ህዝቢን Axumawian Media September 29, 2026 Documentation ትግርኛ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ማእሰርቲ ኣባላቱ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ Axumawian Media March 5, 2026 0 ትግርኛ ትግራይ ኣብ ወሳኒ እዋን: መፃኢ ትግራይ ብዘይ ህወሓት Axumawian Media August 5, 2025 0